Loading...
Uncategorized

ሓርነት ካብ መንፈስ ዓለም

ካብ ዓለም ምፍላይ እቲ መሪሕ ቴማ ናይ ሓድሽ ኪዳን እዩ።የሱስ ቅድሚ ናብ መስቀል ምኻዱ ንደቂመዝሙሩ ንዓለም ከም ዘይብጽሕዋ ካብ ዓለም ከም ዘይኮኑን ነጊርዎም እዩ የሱስ ካብ ዓለም ከም ዘይኮነ’ውን ርእሱ ፈልዩ እዩ። ደቂመዛሙርቱ ብሓቂ ካብዛ ዓለም ከም ዘይኮኑ ኣረጋጊጽሎም እዩ ንዓለም ስለ ዘይብጽሕዋ ኽኣ ኣብኣ ክነብሩ መከራ ከም ዝረኽቦምን ከቢድን ሙኳኑን ነገርዎም እዩ “ካብ ዓለም እንተ ትዀኑስ፡ዓለም ነቲ ናታ ዝዀነ ትፈትዎ እያ እሞ፡ ምፈተወትኩም ነይራ። ኣነ ደኣ እየ ኻብ ዓለም ዝሐሬኹኹም እምበር፡ ካብ ዓለም ኣይኰንኩምን፡ ስለዚ ዓለም ትጸልኣኩም እያ” (ዮው 15=19) “ከምቲ ኣነ ኻብ ዓለም ዘይኰንኩ፡ ንሳቶምውን ካብ ዓለም ኣይኰኑን። በቲ ሓቂ ቐድሶም፡ ቃልካ ሓቂ እዩ” (ዮው 17=16)።

ካብ ርኽሰት እዛ ዓለም እዚኣ ርእሱ ክሕሉ ናይ ወዲ መዝሙር ሓላፍነት እዩ ” ኣብ ቅድሚ ኣምላኽን ኣቦን ንጹህን ርኽሰት ዜብሉን ኣምልኾ እዚ እዩ፡ ርእስኻ ኻብ ርኽሰት ዓለም እናሐሎኻ ንዘኽታማትን መበለታትን ኣብ መከራኦምን ጸበባኦምን ምብጻሕ እዩ” (ያዕቆብ 1=27) ቤተ ክርስትያን መርዓት የሱስ ፍቅርቲ ዕውቲ ቅድስቲ ንእኡ እያ(ኤፌሶን 5=25-27) ጳውሎስ “ብኣምላኻዊ ቅንኣት” ንኣመንቲ ቆሮንቶስ ከም ንጽህቲ ድንግል ኣብ ቅድሚ ክርስቶስ ከቕርቦም ቢሂጉ እዩ በዚ ኽኣ ሰይጣን ኣታሊልዎም ከይከውን ፈሪሁ እዩ “ገለ ቕሩብ ዕሽነት ክትዕገሱኒ ምደሌኹ፡ እስኪ ተዓገሱኒ ደኣ። ብቕንኢ ኣምላኽ እቐንኣልኩም እየ እሞ፡ ንጽህቲ ድንግል ንክርስቶስ ምእንቲ ከቕርበኩም፡ ንሓደ ሰብኣይ ኣሕጽየኩም እየ። ግናኸ ከምቲ ተመን ብጕርሑ ንሄዋን ዘስሐታ፡ ከምኡውን ሓሳብኩም ካብቲ ናብ ክርስቶስ ዚኸውን ገርህነትን ንጽህናን ምናልባሽ ከይጥፍእ እፈርህ ኣሎኹ”።
“ኣትን ዘመውቲ ፍቕሪ ዓለም፡ንኣምላኽ፡ጽልኢ ሙኳኑ ኣይትፈልጣን” ኣብዚ ኣዚዩ ብተሪር ቃል ተገሊጹ ኣሎ ”
ኣትን ዘመውቲ ፍቕሪ ንዓለምሲ ንኣምላኽ ጽልኢ ምዃኑዶ ኣይትፈልጣን ኢኽን፧ እምበኣርከ ፈታው ዓለም ምዃን ዚደሊ፡ ንሱ ጸላእ ኣምላኽ እዩ ዚኸውን(“ያዕቆብ 4=4) እዚ መልእኽቲ ያዕቆብ ንቶም ኣመንቲ ምስ ዓለም ዕርክነት ዝገበሩ እዩ ሰዲድሎም እወ መጽሓፍ ቅድስ ብዛዕባ ምፍላይ ብዙሑ እዩ ዝዛረብ።
ኮይኑ ግን ኣብ እኣሙሮና ንጹር መረዳእታ ክህልወና ኣሎዎ ብዛዕባ ምፍላይ ካብ ዓለም ። እቲ መጽሓፍ ቅዱስ “ምፍላይ” ዝብሎ ብመጠን ርሕቐት ኣይኮነን ብግዳም ኣካላዊ ምፍላይ ካብ ኣብ ዓለም ዝነብሩ ዘሎው ኩሎም ሰባት ኣይኮነን ግናኸ ምፍላይ ናይ ልቢ እዩ።ብዙሓት ኣብ ጽምዋ ቦታ ከም ባህታዊ ካብ ዓለም ዘሎ ሰብ ተፈሊዮም ብምንባር ናብ ኣምላኽ ክቐርቡ ከም ዝኽእሉ ዝሓስቡ ኣሎዉ።ገዛእ ርእሱ ካብ ሰብ ፈልዩ ኣብ ገዳም ዝቕምጥ ፈላሲ ወይ ፈላሲት ካብ ዓለም ኣብ ገዳም ናይ ደቂ ኣንስትዮ ተፈልያ እትንበር። ምፍላይ ካብ ዓለም ዝብል ኣይተረድእዎም ከምቲ መጽሓፍ ቅዱስ ዝምህሮ።
እዚ ምፍላይ ካብ ዓለም ምልባስ ጻዕዳ ክዳን ብጫ ክዳን ዝሕብሩ ማለት ኣይኮነን ወይ ዝኾነ መፍለይ መለለይ ክዳን። የሱስ ገዛ ርእሱ ብግዳም ዝግለጽ መፍለይ ፍጹም ኣሰበኸን ኣይተለማመደን ንሱ ዝምሃሮ ዝተለማመዶን ሓርነት ካብ መንፈስ ዓለም እዩ ዋላኳ ኣብ ሞንጎ ዓለም እንተ ነበረ።

መርከብ ኣብ ማዕከል ውቅያኖስ ቡኹሉ ዙሪኣ ብማይ እያ ትኽበብ ኮይኑ ግን ካብቲ ውቅያኖስ ናብታ መርከብ ዘሪቑ ዝኣቱ ማይ የለን።ኣማኒ ከምዚ ኣብ ላዕሊ ዘሎ ክነብር ከሎ ካብ ዓለም እንተ ቀልጢፉ ወይ ዶንጉዩ ተቓውሞ ከም መስሓቒ ክገብርዎ እዮም ዓለም ውን ብቕልጥፍ ንምንባራ ዘይምችእቲ እያ እትኾኖ። ጎይታ ግን ንደቂመዛሙርቱ ንዕኡ ብምስዓቦም ተቓውሞን መከራን ከም ዝረኽቦም ኣቐዲሙ ነጊርዎም እዩ “ኣባይ ሰላም ምእንቲ ኽትረኽቡ፡ እዚ ነገርኩኹም።ኣብ ዓለም ጸበባ አለኩም።ግናኸ ኣጆኹም፡ ኣነ ንዓለም ስዒረያ እየ፡ ኢሉ መለሰሎም “( ዮው 16=33)
ክርስትያን ሰምያዊ እንተ ኾይኑ ብግልጺ ምድሪ ተፈጥራዊ ክልሉ ኣይኮነትን ። ስለዚ ኣማኒ ህላውነቱ ኣብዛ ዓለም ከቢድ እንተ ኾነ ክግረም ኣይድልዮን እዩ ።ልክዕ ከም ዓሳ ካብ ማይ ዝወጸ ዓሳ ኣብ ምድሪ ብህይወት ክጸንሕ ትኣምራት የድሊ ካብዚ ብዘይንእስ መንገዲ ሓቀኛ ቤተ ክርስትያን ክርስቶስ ትእምራት የድልያ ኣብዛ ምድሪ ንኽትህሉ።እንተ ኾነ ኣምላኽ ዝመደቦ ክኸውን ዘለዎ ክርስትያናዊ ህይወት ምዓልታዊ ኣብ ትኣምራት ናይ ስራሕ ሓይሉ ዝሙርኮስ ክኸውን እዩ ዘድሊ።

ኣምላኽ ኣብ ሞንጎ ህዝቡን መንፈስ ዓለምን ዓቢን ቀዋምን ወሽመጥ ምዕማቑ ምስፉሑን ልክዕ ከምቲ ንገነትን ሲኦል ዝፈላሊ ክኸውን ክሪኢ ይጽበ እዩ “ምስናይ እዚ ዅሉ ድማ፡ እቶም ካብዚ ናባኻትኩም ኪሐልፉ ዚደልዩ ምእንቲ ኸይክእሉ፡ ኣብኡ ዘለዉውን ናባና ከይሳገሩስ፡ ኣብ መንጎናን መንጎኹምን ዓብዪ ጋግ ተገይርዎ አሎ፡ በሎ” (ሉቃስ 16=26) ኣምላኽ ኣብ ሞንጎ ህዝቡን መንፈስ ዓለምን ዘሎ ፍልልይ ወሽመጥ ፍጹም ቢንቶ ክስርሓሉ ዘይክእልን ዘስይገርን ክኸውንን ከም እውን ሓርነት ካብ መንፈስ ዓለም ንደቁ ኩሉ ግዜ ድሌት እዩ ።
ብዙሓት ኣመንቲ ግን ብዘሕዝን መንገዲ ብሕጂ እዮም ክምሃርዎ ።ክሳብ ሽዑ ግን አማኒ ሓርነት ካብ መንፈስ ዓለም ከይረኸበ ሓይሊ ዘይብሉን ዝተደናገር ኮይኑ ክጸንሕ እዩ።

(Freedom from the sprite of the world)
•ትርጉም ዮሴፍ ደስታ
Translated by yosief desta
2016