//መንፈሳዊነት (ብሓው ዛክ ፑነን ዝተጽሓፈby zac poonen)

መንፈሳዊነት (ብሓው ዛክ ፑነን ዝተጽሓፈby zac poonen)

ያዕቆብ ምዕራፍ 3 ብዛዕባ መልሓስና ከመይ ጌርና ክንጥቀመሉ ከም ዝግባእ ዝምህር ዓቢ ምዕራፍ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እዩ ፥መጽሓፍ ምሳሌ ውን ብጥበብ መልሓስና ክንጥቀመሉ ከም ዝግባእ ብዙሕ ይዛረብ።

መንፈስ ቅዱስ ጥራይ እዩ ንመልሓስና ክገትእ ዝኽእል ኣብ ምዓልቲ ሓምሳ ኣብቶም ሰባት ዝወረደ ልሳን ሓዊ እዩ፥ጽብቕ ዕድል ኣይኮነን ግን ብዛዕባ ኣብ ዘረባ ጥንቁቓት ዘይሙኳን ብዝግባእ ኣብ ናይ ሎሚ ክርስትና ኣድህቦ ተጌይሩሉ ኣይንግርን እዩ ዘሎ ፥ብዛዕባ ኣገልግሎት ጎይታ ጥንቁቕ እንተ ኾንካ ጉዳይ መልሓስካ ሙቁጽጻር ኣዚኻ ተጠንቂቕካ ክትወስዶ ኢኻ፥ምክንያት ናይ ብዙሓት ሰበኽቲ ክዛረቡ ከለዉ ቃል ኣምላኽ ዘይብሎም ኣብ ዙሪያ መልሓሶም ግብእ ምቁጽጻር ስለ ዘይገብሩ እዮም።

ኣብ ክንዲ እግዚኣብሄር ኮይንካ ክትዛረብ እንተ ኾንካ ኣቐዲምካ “ነቲ ሕሱር ካብቲ ክቡር ከተወግዶ ኣሎካ” ኣብ ዕለታዊ ህይወትካ ካብ ምዓልቲ ንምዓልቲ ኣብ ዝረባኻ “ስለዚ እግዚኣብሄር ከምዚ ይብል ኣሎ፡ እንተ ተመለስካስ፡ ክመልሰካ እየ፡ ኣብ ቅድመይ ከኣ ደው ክትብል ኢኻ። ነቲ ኽቡር ካብቲ ሕሱር እንተ ፈሌኻዮ፡ ከም ኣፈይ ክትከውን ኢኻ። ንሳቶም ይመለሱኻ እምበር፡ ንስኻስ ኣይትመለሶም” (ኤርምያስ 15=19) ኣብ ተራ ዘረባኻ ዘይጠቅም ዘረባ እንተ ትዛረብ ኮይንካ ኣምላኽ ብኣኻ ጌይሩ ኣብ መስበኺ ቦታ ክዛረብ ክትጽበ ኣይትኽእልን ኢኻ፥እቲ ካልኣይ ምኽንያት ክኣ ኣብ ጉዳይ ገንዘብ እሙን ዘይሙኻን እዩ።

መልሓስ ልክዕ ከምቲ ኣብ ኣፍ ፈረስ ዝኣቱ ልጓም እዩ፥ብእኣ ጌርና ክኣ ነቲ ፈረስ ክንቆጻጾሮን ናብ ዝደለናዮ ማእዝን ውን ክነቕንዖ ንኽእል፥” እንሆ፡ ኣብ ኣፍ ኣፍራስ፡ ምእንቲ ክእዘዙና ኢልና፡ ልጓም ንገብረሎም አሎና፡ ንብዘሎ ስጋኦምውን ብእኡ ኢና እነቕንዖ ” (ያዕቆብ 3=3) ኣፍራስ ልጓም እንተ ዘይብሎም ኣዚዮም ብናህሪ ዝጎዩን ወይ ዝነፍጹን ይኾኑ ከምዚኦም ዓይነት ኣፍራስ ዋላ ሓደ ነገር ዘስልጥዎ የልቦን፥ኣፍራስ ኣብ ውድድር ሽልማት ዝዕወቱ ገዛእ ርእሶም ኣብ ኣፎም ብዝኣቱ ልጓም ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር ክኾኑ ዝፈቐዱ እዮም፥ኣብ ህይወትካ ንኣምላኽ ሓደ ነገር ክትዓይ ትደሊ እንተ ኾንካ ልጓም ክገብረልካን መልሓስካ ክገትእን ንኣምላኽ ፍቐደሉ ፥ንጎይታ ንገሮ ኩሉ ዝረባኻ ሙሉእ ብሙሉእ ክቆጻጸሮ ከም እትደሊ።

መልሓስ ከም እውን ምስ ስካን ናይ መርከብ ይነጻጸር እዩ “እንሆ፡ መራኽብ ድማ፡ ክንድዚ ዓበይቲ ኽነሰንሲ፡ ብብርቱዕ ንፋስ እናተኸብከባ ናብቲ ፍቓድ መራሒ ዚደልዮ ብንእሽቶ ስካን እየን ዝቃንዓ” (ያዕቆብ 3=4) ስካን ንእሽተይ ሓጺን ኣብ ድሕሪ ጀልባ ወይ መርከብ ዝቕመጥ እዩ፥ነዚ ስካን ናብ ሓደ ኣንፈት እንተ ጠዊኻዮ እታ መርከብ ልክዕ ናብቲ ዝጠወኻዮ ማእዝን ትዕጸፍ እዛ ንእሽተይ ነገር ኣብ ድሕሪ መረከብ ዘላ መሳርሒት ነዛ ዓባይ መርከብ ናብቲ ክትከዶ ዝግብኣ ኣንፈት ትቆጻጸር።

መልሓስ ናይ መንፈሳዊ ህይወትካ ኩነታት መፈተሺ እያ፥ እቲ እትገብሮ መንፈሳዊ ንጥፈታት ወይ ፍልጠት መጽሓፍ ቅዱስካ ኣይኮነን፥ከመይ ጌርካ መልሓስካ ከም እትጥቀመሉ ኣርኤኒ ኣነ ኽኣ መንፈሳዊ ሰብ ዲኻ ኣይኮንካን ከነግረካ እየ። ያዕቆብ ኩሉ እዚ ኣብነታት ዝተጠቀመ ኣገዳስነት ናይ መልሓስና ከርኤና ስለ ዝደለየ እዩ፥መልሓስ ብእሽተይ ክፋል ሰብነትና እያ ግናኸ ሓዊ ከመይ ኢሉ እዩ ዝጅምር ” ከም እውን ድማ ልሳን ንእሽቶ ኣካል እያ እሞ፡ ብዓብዪ ነገር ትምካሕ። እንሆ፡ ንእሽቶ ሓዊ ኽንደይ ዓብዪ ዱር ዘይተንድድ” (ያዕቆብ 3=5) ናይ ብዙሓት ኣመንቲ መልሓስ ሓዊ ዝተቓጸለት እያ ብሓዊ ናይ ሲኦል “ልሳንውን ሓዊ እያ፡ ዓለም ዓመጻ እያ። ልሳን ኣብ ማእከል ኣካላትና ሰፊራ ንብዘሎ ስጋ ተርክሶ ኣላ፡ ንመዘወር ንብረት ከኣ ተንድዶ፡ ብገሃነምውን ዝነደደት እያ” (ያዕቆብ 3=6) ።

ማንም ሰብ ንመልሓስ ክገዝኣ ኣይክእልን እዩ “ኵሉ ዓሌት እንስሳን ኣዕዋፍን ለመም ዚብልን እንስሳ ባሕርን ብባህርይ ሰብ ይግዛእ፡ ተገዚኡውን አሎ። ግናኸ ንልሳንሲ ሓደ ሰብ እኳ ኺገዝኣ ኣይተኻእሎን፡ ንሳ ዘይተዐርፍ እክይቲ፡ ዚቐትል ሕንዚ ዝመልኤት እያ” (ያዕቆብ 3=7-8) ኣብ ሰርከስ ዋላ ኣናብስን ኣናብርን ገለ ሰባት ውን ኣራእሶም ኣብ ውሺጢ ኣፍ ኣናብስ ይእትውዎ እዮም እቶም ኣናብስ ውን ኣይነኽስዎምን እዮም ፥ግናኸ ሓደ እዃ ንልሳን ዝገዝኣ የልቦን ! እንታይ እዩ እቲ መፍትሒ ናይዚ ጸገም ? ንመንፈስ ቅዱስ ንመልሓስና ክገዝእ ኣብ ውሽጥና ክንሓቶ ይግባእ ፥ስለዚ እቱ ክኣ ኣብ ምዓልቲ ሓምሳ መንፈስ ቅዱስ ኣብ ሰባት ምስ ወረደ ልሳን ሓዊ ኣብ ኣራእሶም ተቐሚጡ ኣብዚ መንፈስ ቅዱስ ዝብሎ ዝነበረ ” ካብ ሕጂ ንኔው መልሓስኩም ብሓዊ ኣምላኽ ክትቆጻጸርዎ እየ ዝደሊ” ብዙሓት ክርስታያናት ግን ነዚ ነገር ኣይተረድእዎን።

ኣዚዪ ብዙሕ ዝሕዝን እዩ ሎሚ ብዙሓት ሰበኽቲ ብዛዕባ ጥምቀት ብመንፈስ ቅዱስ ዝሰብኩ፥ ሰባት ብልሳን ክጽልዩ ኽኣ ብዙሕ ሃረርታ ኣሎም ኣብ ክንዲ ሰባት ብናይ ኣዲኦም ቋንቋ ኩሉ ግዜ ብጸጋ ገይሮም ክዛረብ ከም ዝግባእ ኣብ ክንዲ ምምራሕ፥ከም ውጺኢት ናይዚ ኣብ ሞንጎ እቶም ብልሳን ዝጽልዩ ብዙሕ ዝተተምነየን ሓቂ ዘይኮነ ልምምድ ኣሎ።

መንፈስ ቅዱስ ውህበት ብልሳን ምጽላይ ናብቲ ሰምያዊ ኣቦይ ሂቡኒ እዩ፥ ስለ እዚ ውህበት ክኣ የመስግን ግናኸ ልዕሊ ኩሉ ናይ ኣደይ ቋንቋ ኣብ ዘረባይ ክቆጻጸሮ ኣኸኢሉኒ ስለዚ ውን ብዙሕ የመስግን ፥በዚ ጌይሪና ኢና ኽኣ እንፈልጦ መንፈስ ቅዱስ ወይ ክኣ ካልእ መንፈስ ተቕቢልና እንተ ኾይና እዚ ጉዳይ ኣብ ገዛእ ርእስኻ ተግባራዊ ግበሮ ፥ናይ ኣዴኻ ቋንቋ ኣብ ዘረባኻ ትቆጻጸሮዶ ? እዚ እንተ ዘይኮይኑ ንነፍሲ ወከፍ ዝተቐበልካዮ መንፈስ ንጸጎ እንደገና ኣምላኽ ብመንፈስ ክመልኣካ ሃረር በልን ድለን ፥ኩሉ ግዜ ብጸጋ ክትዛረብ ከም እትደሊ ንገሮ ፥መንፈስ ቅዱስ ጥራይ እዩ ንመልሓስና ክገዝኦ ክቆጻጸሮ ዝኽእል ከመይ ጌርካ ኣብ ቤተ ክርስትያን ሕብረት ንኣምላክ ክትባርኽ ትኽእልን ፥ድሕርኡ ኽኣ ንሰባት ትረግምን ? “ብእኣ ጌርና ንጐይታን ነቦን ንምርቕ፡ ብእኣ ጌርናውን ነቶም ብምስሊ ኣምላኽ እተፈጥሩ ሰባት ንረግም። ካብ ሓደ ኣፍሲ ምርቓን መርገምን ይወጽእ። ኣሕዋተየ፡ እዚ ኸምዚ ኪኸውን ኣይግባእን እዩ” (ያዕቆብ 3=9-10)።

“መልሓስና ዘረባና ክንቆጻጸር ጎይታ ይደግፈና”

•ትርጉም ዮሴፍ ደስታ
Translated by yosief desta
05/23/2017 ~ Tue 6:28 p.m