መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ኤፌሶን ብዛዕባ መንፈሳዊ ቅልስ ከምዚ ይብለና “እቲ ቕልስና ምስ ሕልቅነትን ስልጣናትን ምስ ናይ ጸልማት ገዛእቲ ዓለምን ምስ መናፍስቲ እከይን ኣብ ሰማያት እዩ እምበር፡ ምስ ስጋን ደምን ኣይኰነን እሞ፡ ንፍሕሶ ሰይጣን ምቅዋሙ ምእንቲ ክትክሉስ ኩሉ ኣጽዋር ኣምላኽ ልበሱ” (ኤፌ 6=12)።
ቅድሚ 3500 ዓመታት ሙሴ ካብ እምባ ሲና ካብ እግዚኣብሄር ተስፋታት ናይ ምድሪ መንግስቲ ንእስራኤላውያን ኣምጺእሎም ፥ቅድሚ 2000 ዓመታት ክኣ ጎይታና የሱስ ካብ ሰማይ ወሪዱ ተስፋታት ናይ ሰማይ መንግስቲ ኣምጺኡልና። እዚ ኽኣ መሰረታዊ ፍልልይ ኣብ ሞንጎ ሓድሽ ኪዳንን ቡሉይ ኪዳንን ኣዩ።እዚ ፍልልይ ድማ እንተ ዘይተረዲ ኢና እቲ ምስ ሰይጣን እንገብሮ ቅልስ ውጸኢታዊ ኣይከውንን።
መንግስትና ካብዚ ዓለም ኣይኮነን።ስለዚ ምስ ዝኾነ ሰብ ክንብኣስ፥ወይ ክንኳረ ብዛዕባ ዝኾነ ጉዳይ ኣይግባእን።እዚ ድማ ኣብ መንፈሳዊ ውግእ እቲ ቀዳምይ መስፈርት እዩ።ሓደ ካብቲ ናይ ሰይጣን መገዲ፥ ንኣመንቲ ካብ ጻዊዕቶም፡መንገደም ከውጾም ዝጥቀመሉ ምስ ካልእ ክኳሮዩን፥ ክብኣሱን እዚ ኽኣ ምስ ኣዝማድ፥ ጎሮቤት ፥ወይስ ምስ ኣሕዋት፥ኣሓት ብምግባር እዩ።እቲ ጠንቂ መብኣሲ ክኣ ምድራዊ ነገር እዩ፥በዚ ድማ ይዕወት እዩ። ሰይጣን ንኣመንቲ ካብቲ ናይ ሰማይ ቦቶኦም ናብ፡ ምድራዊ ጉዳያት ብምስሓብ በዚ ድማ ኣብ መንፈሳዊ ውግእ ዘይድምዑ ይገብሮም።
ኣብቲ ምስ ሰይጣን እትገብሮ ቅልስ ኣድማዒ ክትከውን፥ ቤተክርስትያንውን ክትሃንጽ ብዛዕባ ዝኾነ ምድራዊ ጉዳይ ምስ ሰብ ከይትብኣስ ወስን።ኣብ ዝኾነ ባእሲ ከይትሳተፍ ወስን፥ዋላ ኣብ ሓሳብና ምስ ካልእ ሰብ ክንብኣስ የብልናን።ዝኾነ መረረ፥ምዕዝምዛም ኣንጻር ዝኾነ ሰብ ክህልወና የብሉን።
ካብ ሰባት እዚ ክነርክብ ኢና ኢልና ውሽጣዊ ጠለባት ክህልወና የብሉን:ንኣብነት ሰባት ብእኽብሮት ኪሕዙና ኣሎዎም፥ወይ ብፍቕሪ ክሕዙና ኣሎዎም፥ከታሉሉና የብሎም ወ.ዘ.ተ ውሽጣዊ ትጽቢት ክህልወና የብሉን፥ዋላ ካብ ናይ ሓዳር መጻምድና። ኩሉ ዘይምርድዳእ ፥ ቅሬታ፥ ወይ ጠላባት ሰብ ናይ ምድራዊ መንግስቲ እዩ። በዚ ኽኣ ሰብ ንሰይጣን ኣብ ልቡ ቦታ ሂብዎ ኣሎ ማለት እዩ፥ ከምዚኦም ሰባት ሕማቅ ሂወት እዮም ዝሕልፉ።
ጉዳይና ምስ ኣምላክ ጥራይ ክኸው ኣሎዎ (እብ 4=13) ኩሉ ኣብ ዙርያ ሂወትና ዝኽውን፥ዋላ ሰባት በቲ ዝሑዙና ዝተፈላለይ መንገዲ ፥በቲ ፈቃር ሰምያዊ ኣቦና ዝተዳለወ እዩ፥ እዚ ኽኣ ናብ ምስሊ ወዱ ምእንቲ ክልውጠና እዩ:ስለዚ ምስ ዝኾነ ሰብ ንቕሬታ፥ንመረር ዝኸውን ቦታ የብልናን: ግናኸ ንእግዚኣብሄር ከነመስግን፥ከነኽብር ቡዙህ ቦታን ግዜን ክህልወና እዩ።
ትርጉም ዮሴፍ ደስታ