//ሰባት ኣብ ሓጥያት ዝወድቅሉ ሰለስተ ምኽንያታት( ብሓው ዛክ ፑነን ዝተጽሓፈ by Zac Poonen)

ሰባት ኣብ ሓጥያት ዝወድቅሉ ሰለስተ ምኽንያታት( ብሓው ዛክ ፑነን ዝተጽሓፈ by Zac Poonen)

ሰባት ኣብ ሓጥያት ተደጋጋሚ ዝወድቅሉ ምኽንያት ንስጋዊ ትምኒቶምን ሰብኣዊ መንነቶም ብግቡእ ስለ ዘይተርድእዎ እዩ፥እቲ ሰብኣዊ ሓይሊ ሰብ ፍቓድ ኣምላክ ንኽገብር ዱኹሙን ልሙሱን እዩ፥ንሕና ብገዛእ ርእስና ንሓጥያት ክንስዕሮ ኣይንክእልን ኢና፥ዝኾነ መጠን ውሳኔ፥መጠን ገዛእ ርስኻ ነብሰ ምቕጻዕ ፥ዝኾነ ዝደለኻዮ ነገር ክትግብሮ ትፈትዎ ንሓጥያት ክስዕር ኣይክእልን እዩ።እቲ ምኽንያት ድማ ሓጥያት ኣብ ተፈጥሮና ብዕምቆት ስለ ዝሰረተ እዩ፣እዚ ልክዕ ከምቲ ንሓሰማ ጽሪይቲ ንክትከውን ከም ምስልጣን እዩ፥ኣብዚ እቲ ዕድል ክንደይ እዩ፥ምናልባሽ ብኹርማጅን፥መግቢ ከም ሽልማት ብምሃብን ክትፍትንን ንቑሩብ ግዜ ጽርይቲ ክትከውን ትኽእል ግናኸ ንታ ሓሰማ ቅሩብ ግዜ ምስ ሓደካያ ተመሊሳ ናብቲ ናይ ቀደም ተፈጥሮኣ እያ እትምለስ፥ከምዚ ዓይነት ብናይ ገዛ ርእስካ ጻዕሪ ዓወት ኣይኮነን፥እዚ እቲ ኣምላክ ዝቐረቦ ዘይኮነስ ውልቃዊ ነብሳ ምቕጻዕ እዩ።ጽቡቕ ነገር እዩ እንተ ኾነ እቲ ኣምላክ ዝቐረቦን ዝሃበናን ኣይኮነን ስለዚ ሕጂ ንቲ ኣብ ስጋና ዘሎ ድኻም ክንግንዘቦ ኣሎና እዚ ምስ ተረድኣና ክልተ ነገር እንገብሮ ኣሎ።

ቀዳማይ ቅድሚ ኩሉ ካብ ፈተና ክትሃድም ኣለካ፥ገዛእ ርእስኻ ንፈተና ኣይተቃልዕ ፥መን እዮም ገዛእ ርእሶም ንፈተና ዘቃልዑ ፥እቶም ድኻሞም ዘይተረድኦም ወይ ዘይስምዖም እዮም።እቲ ድኻሙ ዝስምዖ ሰብ ግን ካብ ፈተና ናይ ሓጥያት ይሃድም እዩ፥እምብኣር መጽሓፍ ቅዱስ ካብ ትምኒት፥ካብ ዝሙት ክንሃድም እዩ ዝምዕደና፥ ቃል ኣምላክ ኣብ 2 ጢሞቴዎስ ምዕራፍ 2 ጳውሎስ ልክዕ ከምኡ ናይ ኣምላክ ሰብ ንዝኾነ ጢሞቴዎስ ካብ ትምኒት ጉብዝና፥ካብ ፍቕሪ ገንዘብ ፥ካብ ምምላኽ ጣዖት ፥ካብ ዝሙት ክሃድም ነጊርዎ ክም እውን ኣብ (1ጢሞ 6) (1ቆሮ 6)( 2ጢሞ 2) ካብ ፈተና ናይ ሓጥያት ክንሃድም ይነግረና ስለ ምንታይ ኢና እንሃድም ? እቲ ምኽንያት ድኹማና ስለ ዝፈለጥና እዩ ስለዚ ከምዚ ኣብ ላዕሊ ዝተጠቕሰ ካብ ፈተና እንሃድም እንተ ኾይና ንሓጥያት ክንስዕር ንኽእል ኢና።

እቲ ካልኣይ ድማ ድኻሙ ዝተረድኤ ሰብ ዝገብሮ እንተሎ ሓገዝ ደልዩ ናብ ኣምላኽ ይጽሊ እዩ፥ስለዚ ጸሎት ምልክት ናይ ድኻም እዩ፥ሰባት ምዓስ እዮም ዝጽልዩ ዋላ ዓለማውያን ኣብ ግዜ መከረኦም ዋላ ሓደ ሰብ ዝሕግዞም ኣብ ዘይቡሉ እዩ፥ሓደ ካብቲ የሱስ ዝምሃረና ጸሎት ኣብ ፈተና ከይእትወና እዩ ፥ ስለምታይ እዩ እዚ ጸሎት እዚ እንጺሊ ? እቲ ምኽንያት ስጋን ድኹም ሙኻኑ ስለ ዝትኣመና እዩ። ምናልባት ሓደ ከምዚ ክሓስብ ይኽእል ከም ጢምቴዎስ ኣብ ክርስትያናዊ ሂወቱ ዝሰጎመ ኣብ ስጋዊ ትምኒት ሓደጋ ኣይነበረን ፥ ግናኸ ክሃድም ተነጊርዎ ፥ሕጂ እምብኣር ከም እዚ ኢልና ክንጽሊ ንኽእል ” ጎይታ ደግፈኒ ንፈተና ክስዕር ፥ንድኻመይ ክስዕር ሓይሊ ሃበኒ ” ከምቲ ንሓጥያት ተጠንቂቕና እንሪኦ ከም እዉን ንድኻም ስጋና ብጥንቃቔ ክንሪኦ ይግባእ።

ሓደ ካብቲ ድንቂ ነገራት ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ መጽሓፍ እብራዊያን ከምዚ ነንብብ ” ደጊም ብዘይ ሓጢኣትሲ፡ ብዅሉ ኸምዚ ኸማና እተፈተነ እዩ እምበር” (እብ 4=14) የሱስ ኣብዛ ምድሪ ክማላለስ ከሎ ከምዚ ከማና ብኩሉ ዝተፈተነ እዩ ከይተፈተነ ኣይሓለፈን ፥ቃል ኣምላክ ኣብ ወንጌል ማቴዎስ ምዕራፍ 4 ጎይታና የሱስ ብውሕዱ ሰለስተ ግዜ ከም ዝተፈተነ ብንጹር ተገሊጹ ኣሎ፥ኣብ( እብ 4=14) ብኹሉ ከም ዝተፈተነን ልክዕ ከምዚኸማና ተገሊጹ ኣሎ ግናኸ ፍጹም ሓጥያት ኣይሰረሔን ። ከመይ ኢሉ እዩ ግን ሓጥያት ዘይሰረሔ ? ብቅጽበት ሓጥያት ስለ ዘይሰርሕ ድዩ? ልክዕ እዩ ኣብ ተፈጥሮ የሱስ ክንማራመር ኣይንደልን ኢና፥ኣብ ውሽጣዊ ተፈጥሮ የሱስ ክንርድኦ ዘይንኽእል ኣሎ ፥ኣባናውን ኣብ ውሽጣዊ ተፈጥሮና ዘይንርድኦ ነገራት ኣሎ ፥ናይ ስነ ልቦና ሙሁራት መንነት ሰብ ከጽንዑ ቡዙሕ ፈቲኖም እዮም እንተ ኾነ ክሳብ ሕጂ ኩሉ ኣይፈልጥዎን።የሱስ ዝኾኖ ነገር ኩሉ ክንዕቅኖ ምፍታን ዘይክኣል እዩ፥ እንተ ኾነ ሓደ ነገር ንፈልጥ ንሱ ክኣ የሱስ ከም ዝጸለየ ንምንታይ እዩ ጎይታ ዝጸለየ ? ብገዛእ ርእስና ሓይሊ ከም ዘሎና ክስምዓና ከሎ ፥ባዕልና ኩሉ ከም እንገብር ክንሓስብ ኮሎና ሽዑ ኢና ሒደት እንጺሊ።

እቲ ሓገዝ ከም ዘድልዮ ዝተገንዘበ ሰብ ጥበብ ፥ ሓይሊ፥ምርሒት ደሊዩ ኣብ እግዚኣብሄር ኣቦ እዩ ዝሙርኮስ እዚ ሰብ እዩ ዝጺሊ፥እቲ ነገራት ባዕሉ ክገብር ክሕዝን ኣብ ኣምላኻ ዘይሙርከስ ከምዚ እዩ ዝብል ኣነ ባዕለይ ክገብሮ እየ፥ናይ ኣምላኻ ሓገዝ ኣይድሌንን እዩ ባዕለይ ውሳኔታት ክገብር እየ ይብል ኣይጽልን ድማ እዩ፥ግናኸ የሱስ ቅድሚ 12 ደቂመዛሙርቲ ምምራጹ ሙሉእ ለይቲ ጸልዩ ጌጋ ክገብር ኣይደለየን ስለዚ ከምዚ ክንሪኦ ዝጸናሕናን የሱስ ካብ ኣቦ ብጸሎት ሓይሊ ይረክብ ከም ዝነበረ የመልክተልና ስለ ዘይጸለና ኣይረኽብናን ወይ ድማ ልባዊ ጸሎት ኣይጸለናን ኣብ መጽሓፍ እብራዊያን ምዕራፍ 5 የሱስ ብብርቱዕ አውያት ንብዓትን ከም ዝጸለየ ይነግረና፥እስከ ቁሩብ ሕሰብ እዚ ነገር ኣብ ኣእሙሮኻ ብምእታው ? የሱስ እቲ ፍጹም ሰብ ብሙኻን ኣብዛ ምድሪ ዝተመላለሰ ብብርቱዕ አውያትን ንብዓትን ምጽላዩ ? ምዓስ እዩ ብብርቱዕ አውያትን ንብዓትን መወዳእታ ግዜ ዝጸለኻዮ ? ስለ ምንታይ እዩ እቲ ፍልልይ? አይትሓስብ ዲኻ ኣነን ንስኻን ብዙሕ ክንጽሊ ከም ዝግብኣና ካብቲ ንየሱስ ዘድለዮ ንላልዕሊ ? የሱስ ካብ ዘመናት ዘልኣለም ኣብ ቅድሚ ህላወ ኣቦ እዩ ዝነብር ነይሩ ናይ ሓጥያት ስጋ ከማና ኣይነበሮን ግናኸ ጸልዩ ከመይ ግዳ ንሕና ብዙሑ ክንጽሊ ዘይግብኣና።

ሓቀኛ ትሕትና ድኻም ስጋና ምፍላጥ ሙኻኑ ረኤ ኩሉና ዱኹማት ኢና እንተ ኾነ ኩሉና ማዕረ ድኻም ስጋና ኣይንፈልጥን ኢና፥እቲ ድኻም ስጋኡ ዝተረደኤ ሓደጋ ምስ ረኣየ ይሃድም እዩ ከም እዉን ሓገዝ ደልዩ ናብ ኣምላክ ይእዊ እዩ።እምብኣር እዚ እዩ እቲ ሳልሳይ ምኽንያት ሰባት ኣብ ሓጥያት ዝወድቁ ካብ ናይ ሓጥያት ፈተና ስለ ዘይሃድሙ እዮም። ብዕሽነት ንፈተና ገዛእ ርእሶም የቃልዑ ከም እውን ናብ ኣምላኻ ሓገዝ ደልዮም ኣይእውዩን እዮም።

ካልእ ምኽንያት ሰባት ኣብ ሓጥያት ዝወድቁ ክነግረኩም ኣብ (1 ጴጥ 4=1-2) ከምዚ ይብለና “ደጊም ክርስቶስ ምእንታና ሓሳረ መከራ ካብ ጸገበስ፡ ብስጋኡ መከራ ዚጸግብ፡ ንሱ ንሓጢኣት ሒዲግዎ እዩ እሞ፡ እቲ ብስጋ ዝተረፈ ዘመን ንፍቓድ ኣምላኽ እምበር፡ ንፍትወት ሰብ ምእንቲ ኸይትነብሩ፡ ንስኻትኩምውን ነዚ ሓሳብ እዚ ኸም ኣጽዋር ጌርኩም ሐዝዎ” እዛ ኣብ ላዕሊ ዘላ ጥቕሲ ንኽትርድኣ ቀላል ኣይኮነንትን ኣብዚ ጥቕሲ ብዛዕባ ኣካላዊ መከራ ምጽጋብ ኣይኮነን ዝዛረብ ዘሎ ፥ምኽንያቱ ብኣካል መከራ ዝጸግብ ካብ ሓጥያት ምግባር ደው ኣይብልን እዩ። ብኣካል እንተ ዝኽውን ነይሩ ኩሎም እቶም ኣብ ሆስፒታል ዘሎዉ ካብ ሓጥያት ምግባር ደው ምስ በሉ ነይሮም ስለዚ እዚ ብስጋ መከራ ምጽጋብ ተባሂሉ ዘሎ ንኣካልና ኣይኮነን፥የሱስ ብስጋ መከራ ጸጊቡ እዩ ነዚ ሓሳብ ከም ኣጽዋር ሓዝዎ ማለት እንታይ ማለት እዩ ? ጎይታና የሱስ ብስግኡ መከራ ስለ ዝጸገበ ሓጥያት ካብ ምግባር ርሒቑ በዚ ድማ ፍቃድ ኣምላክ ምእንቲ ክገብር ኣብዚ (1ጴጥ 4=1-4) ዝጠቅስ ዘሎ ንኣተሓሳስባ ርእስና እዩ ነብስና ፤ ፍቓድና ክንክሕድ ከሎና በዚ ድማ እንረክቦ መከራ እዩ፥ኩሉና ብሓጥያት ክንፍተን ከሎና በቲ ሓጥያት ርዌትን ገለ ሓጎስ ንረክብ፥ ወይ ንቃዎሞን ንነጽጎን በዚ ድማ ዝተወሰነ መከራ ንረክብ፥እምብኣር እዚ ብስጋ መከራ ምርካብ ዝብል ርእስኻ ብምኻሓድ፥ፍቃድካ ብምሕዳግ እንረኸቦ ቁሩብ መከራ እዩ።ስለዚ እዚ ቃል ዝብለና ዘሎ ቅድሚ ምፍታንካ ንቃልሲ ክትዳሎ ኣሎካ ማለት እዩ።ብኻልእ ቃል ወይ ኣገላልጻ ከምዚ እዩ ካብ ብሓጥያት ምሑጓስ ዋላ ሓንቲ ደቒቕ ትኹን በዚ መከራ ምርካብ ይሕሽኒ ብዝብል ሓሳብ ከም ኣጽዋር ክትሕዞ ኮሎካ ማለት እዩ።ብዛዕባ የሱስ ቃል ኣምላኽ ክሳብ ሞት እንተ ኾነ ከም ዝተኣዘዘ ፥እዚ ማለት ካብ ሓጥያት ምግባር ሙሟት መሪጹ ማለት እዩ።እምብኣር እዚ ዓይነት ኣተሓሳስባ መሰረታዊ እዩ ፥ ንኣቦ ዘይምእዛዝን ፤ካብ ሓጥያት ምግባር ዋላ ኣብ ንኣሽቱ ነገራት ሙሟት ምምራጽ እዩ።እምብኣር ትርጉም (ፊሊ 2=8) የሱስ ክሳብ ሞት ተኣዘዘ ዝብል እዩ፥ጎይታና የሱስ ኣሰር ስጉሙቱ ክንስዕብ ካብ ንኣምላኻ ምጉሃይ መከራ ክንጸግብ ክንመርጽ እዩ ጸዊዕና።

ሓደ ምኽንያት ክርስትያናት ኣብ መንፈሳዊ ሂወቶም ዘይስጉሙን ፥ዝወድቁን ንፍጽምና ንቕድሚት ስለ ዘይስጉሙ በቲ ዝበጽሕዎ መንፈሳዊ ሂወት ስለ ዝዓግቡ እዮም።ብካልኣይ ደረጃ እንተ ዓጊብካ ሳልሳይ ደረጃ ክትረክብ ኣይትኽእልን ኢኻ፥ ካብቶም ኣብ መዋእል ህጻናትን ቀዳማይ ደረጃ ዘሎዉ ዝበልጽካ ኮይኑ ስለ ዝስምዓካ እዩ። ግናኸ ንቕድሚት ክትስጉም ዝወስንካ እንተ ኾንካ ከምዚ ክትብል ኢኻ ” ጽቡቕ እዩ ሓደ ነገር ሲዒረ ኣለኹ ግናኸ ግና ክውስኽ ናብ ሕንጹጽ ዕላማ ድማ ክስጉም እየ ኢኻ እትብል “ኣሕዋተየ፡ ኣነ ብርእሰይ ከም ዝረኸብክዎ ኣይመስለንን አሎ። ሓደ ነገር ደኣ ኣሎኒ፤ ኣብ ድሕረይ ዘሎ እናረሳዕኩ፡ ነቲ ኣብ ቅድመይ ዘሎ እናተመጣጠርኩ፡ ናብቲ ሕንጹጽ ዕላማ ኣቢለ፡ ናብቲ ዓስቢ ዓወት ናይ ላዕሊ ጽውዓ ኣምላኽ ብክርስቶስ የሱስ እጐዪ አሎኹ”(ፊሊ 3=13-14) እቲ ንየሱስ ክርስቶስ ምምሳል ዝብል ክፋል ናይ ጠቕላላ መንነትና እዩ።ጳውሎስ ከምዚ ኢሉ ብምስዓቡ እንታይ እዩ እቲ ውጸኢት? ኣብ ክርስትያናዊ ሂወቱ ካብ ሰንከልከል ካብ ምባል ጥራይ አይኮነን ተዓቂቡ፥ እንኮላይ ካብ ሓጥያት ተዓቂቡ እዩ። ጳውሎስ ንጢሞቴዎስ ካብ ፈተና ጥራይ ዘይኮነ እንኮላይ ደድሕሪ ጽድቂ፥ ንኣምላኻ ምምሳል፥ፍቕሪ፥ሕያውነት ክስዕብ መኺርዎ እዩ።

ዝኾነ ነጥቢ ኣብ ክርስቲናዊ ሂወትና ብእንረኽቦ ፥ብስጉምትና ዓጊብና ኣሎና እዚ ድማ ሓደገኛ ነጥቢ እዩ ኣብዚ ግዜ እዚ ኢና ኣብ ሓጥያት እንወድቕ። ኣብ መንፈሳዊ ሂወትና ንዓቢ ከም፡ዘሎና ርእስና ክንሓትት ይግባእ? ኣብ ኩሉ ገጻት ሂወተይ ንክርስቶስ ክመስል ይምነዶ ኣሎኹ? ኣብ ሂወተይ ንክርስቶስ ዘየመስልክዎ እንተሎ ክርኢ ከሎኹ ይሓዝንዶ? ብኣውያት ንኣምላኽ ጎይታ እምነት ኣሎኒዶ ይብል? ዓርከይ ናተይ ሎሚ ጀምር ክትሓዝን ኣብ ሂወትካ ንክርስቶስ ዘየመስልካዮ ክትረኢ ከሎኻ ።ሓገዝ ደሊኻ ናብ ኣምላኽ ብኣውያት ቅረብ በዚ ድማ ረኤ ሂወትካ እንተዘይተቐይሩ ካብዛ ምዓልቲ እዚኣ።

•ትርጉም ዮሴፍ ደስታ
Translated by Yosief Desta