ጳውሎስ ብዛዕባ እዚ ሓቂ ብዙሕ እዩ ተዛሪቡ ንሱ ክኣ ክርስቶስ ኣብ መስቀል ምስ ሞተ ኩሎም ኣመንቲ ምሰኡ ሞይቶም ዝብል ኣዩ ።እምብኣርከስ ሓደ በጃ ዅሉ ሞተ ስለዚ ዅላቶም ሞቱ ካብ እንብልሲ ፍቕሪ ክርስቶስ ደሪኹና እዩ” (2ቆሮ 5=13) ብዛዕባ እዚ ኣብ ሮሜ፥ቆሮንጦስ፥ገላቲያ ተዛሪቡ ኣሎ”ኣነስ ንኣምላኽ ብህይወት ምእንቲ ኽነብር፡ ካብ ሕግስ ብሕጊ ሞትኩ። ምስ ክርስቶስ ተሰቐልኩ” (ገላትያ 2=19)። “ሓደ እንተ ሞቶ ኩሎም ሞይቶም እዮም” (2ቆሮ 5=14)። እዚ ፉሉይ ምግላጽ እዩ ኣምላኻ ንጳውሎስ ዝሃቦ ፥ጴጥሮስ፥ ዮውሃንስ፥ ያዕቆብ ከምዚ ክጽሕፉ ኣይነንብብን ፥ክርስቶስ የሱስ ሞይቱ ምስ ተንስኤ ፥ ኣብ ቅድሚ ይዒንቲ እግዚኣብሄር ኩሎም ኣመንቲ ሞይቶምን ተንሰኤምን እዮም ፥ ስለዚ ንገዛእ ርእስና ክነብር ኣይንኽእልን ኢና ግናኸ ንክርስቶስ ጥራይ “ድሕሪ ሕጂ እቶም ዘለዉ ነቲ ምእንትኦም ዝሞተን ዝተንስኤን እምበር ንርእሶም ምእንቲ ኸይነብሩ፡ ንሱ ኣብ ክንዲ ዅላቶም ሞተ”(1ቆሮ 5=15)።
ንኣመንቲ ፥ክርስቶስ ንምንታይ ሞይቱ ኢልካ እንተ ሓቲትካዮም ? እቲ መልሲ መብዛሕትኦም ዝህቡኻ “ክርስቶስ ምእንቲ ሓጥያትና ሞይቱ ዝብል እዩ ” (1ቆሮ 15=3) እዚ ቅኑዕ መልሲ እዩ ፥ እንተኾነ እዚ መልሲ ክፋል ጥራይ እዩ ፥መልሲ ናይቲ ካልኣይ ክፋል እዚ እዩ “ድሕሪ ሕጂ እቶም ዘለዉ ነቲ ምእንትኦም ዝሞተን ዝተንስኤን እምበር፡ ንርእሶም ምእንቲ ኸይነብሩ፡ ንሱ ኣብ ክንዲ ዅላቶም ሞተ” (2 ቆሮ 5=15)። ንገዛእ ርእስና ክነብር ከለና ነቲ ክርስቶስ ዝሞተሉ ዕላማ ከንቱ ንገብሮ ኣሎና ማለት እዩ፥ኣብ ሓጥያት ምንባር እተቕጺልና እቲ ክርስቶስ ምእንቲ ሓጥያትና ሞይቱ ዝብል፥ ከም ምኽንያት ሓጥያት እና ሰራሕና ናብ ረብሓና ነውዕሎ ኣሎና ማለት እዩ ዋላ ውን ንጸጋ ኣምላኻ ። ዝኾነ ኣማኒ ንገዛእ ርእሱ ዝነብር ፥ንቲ ክርስቶስ ዝሞተሉ ዕላማ ኣይተረድኦን ኣሎ ማለት እዩ፥ናይ ሰይጣን ዕላማ ንሙሉእ ሓቂ ምኽሪ ኣምላኻ ከይንፈልጥ ንይዒንትና ምዕዋር እዩ፥ መጀመሪያ ብዛዕባ ክርስቶስ ሞት ዋላ ሓንቲ ከይርድኣካ የከላኸል፥ ክርስቶስ ምእንቲ ሓጥያትና ከም ዝሞተ እንተ ሪእና ኽኣ እቲ ክርስቶስ ዝሞተሉ ሙሉ ዕላማ ንኸይንሪኢ ይዕንትና ክሽፍን ይፍትን።
ክርስቶስ የሱስ ካብ ኣብ ገዛእ ርእስኻ ዘተኮረ ሂወት ንኹሉ ግዜ ሓራ ምእንቲ ክገብረና ሞይቱ።እዘን ክልተ ጥቕስታት ኣብ ሓደ ምስ ገበርናየን “….. ከምቲ እቶም ጽሑፋት ዚብልዎ፡ ክርስቶስ ምእንቲ ሓጢኣትና ሞተ” (1ቆሮ 15=3) ” ድሕሪ ሕጂ እቶም ዘለዉ ነቲ ምእንትኦም ዝሞተን ዝተንስኤን እምበር፡ ንርእሶም ምእንቲ ኸይነብ ንሱ ኣብ ክንዲ ዅላቶም ሞተ” (2 ቆሮ 5=15) ኩሉ ሱር ሓጥያት ኣብ ገዛእ ርእስኻ ማዕከል ምግባር ሙኳኑ ንርኢ፥ሰብ ኣብ ሓጥያት ዝመላለስ ንገዛእ ርእሱ ስለ ዝነብር እዩ፥ክሳብ ንገዛእ ርእስኻ ዝነበርካ ኣብ ልዕሊ ሓጥያት ፍጹም ዓወት ኣይትረክብን ኢኻ። ክሳብ እቲ ሱር እቲ ኦም ዘይተቖረጸ እቲ ኦም ፍረ ምፍራይ ይቕጽል እዩ፥ነቲ ምሳር ናብቲ ሱር እንተ ኣቕሚጥካዮ ማለት ንገዛእ ርእስኻ ምንባር ወይ ሂወት ገዛእ ርእስኻ ዘማእከለ ቀጻሊ ነቲ ሕማቕ ፍረ ምቑራጽ ኣይድሌካን እዩ ማለት እቲ ሓጥያት ካብኡ ዝወጽእ።
ብዙሓት ሰባት ብላዕሊ ጥራይ እዮም ንሓጥያት ኣርሒቖሞ ፥ግናኸ እቲ ሱር ኣሎ ፥ሱር ንገዛእ ርእስኻ ምንባር ፣ ኣብ ልዕሊ ሓጥያት ፍጹም ዓወት ክትረክብ ኣይትኽእልን ኢኻ ክሳብ ንገዛእ ርስኻ ዝነበርካ፥ ሓንሳብን ንሓዋሩን ውሳኔ ክትገብር ይግብኣካ ከምዚ ብምባል ” ካብ ሕጂ ንኔው ኣብ ሂወተይ ዘማእከለ ውሳኔ አይገበርን እየ” ” ንዓይ ዘርባሓኒ መሰረት ብምግባር ጥራይ ኣይውስንን ኣየ ” ።
ትፈልጥ ዲኻ ብዙሓት ሰባት ኣብ ክርስትያናዊ ዕዮ ውሳኔ ዝገብሩ በዚኦም ሕቶታት ሙኻኑ “እዚ ከምይ ንዓይ የርብሓኒ?” ” እዚ ከመይ ኢሉ ንስድራይ የርብሖም ?” ዳግም ዘይተወልደን ፥ ኣምላኽ ዘይፈልጥን ሓጥያተኛ ኣብ ዓለም ዘሎ ብኸምዚ ኣብ ላዕሊ ተጠቒሱ ዘሎ እዮም ዝውሱን፥ ንስኻ ካብዚኦም እቲ ፍለ ንሱ ኣብ ኣምላኻ ዘይኣምን ብሙኻኑ ፥ንስኻ ግና ናብ ቤተክርስትያን ስለ እትከይድ እዩ ፥ ግናኸ ውሽጥኹም ሓደ እዩ ። ክርስቶስ የሱስ ዝሞተ እዚ ንዓይ ከመይ የርብሓኒ ብዝብል ኣብ ሂወትና ካብ ምውሳን ሓራ ክገብረናን ፥ ኣምላኽ ከመይ ኢሉ ይኸብር ፥ መንግስቱ ምኽርታቱ በዚ ነገር ከምይ ኢሉ ይሰፍሕን ይስጉምን ብምባል ክንውስን እዩ፣ ከም እዚኦም 100 ሰባት ኣብ ህንዲ እንተ ረኺብና ንህንዲ ከመይ ምስ ለወጥናያ ነይርና ፥ ኮይኑ ግን ከም እዚኦም ሰባት ክተረክብ ከቢድ እዩ ዋላ ውሑዳት።
መብዛሕትኦም ክርስትያናት ንገዛእ ርእስና ክነብር ከም ዘይብልና ኣይተረድኦምን፡። ንጥቕስታት ከም “ድሕሪ ሕጂ እቶም ዘለዉ ነቲ ምእንትኦም ዝሞተን ዝተንስኤን እምበር፡ ንርእሶም ምእንቲ ኸይነብሩ፡ ንሱ ኣብ ክንዲ ዅላቶም ሞተ” (2 ቆሮ 5=15)ዝብል ጥቕሲ ብምሕዳግ፥ ናብ ከም ጥቕሲ “ስለዚ ሓደ እኳ ብክርስቶስ እንተ አልዩ፡ ንሱ ሓድሽ ፍጥረት እዩ፡ እቲ ብሉይ ሐሊፉ፡ እንሆ፡ ኵሉ ሓድሽ ኰይኑ” (2 ቆሮ 5=17)ይዘሉ ። ግናኸ እስከ ክሓተካ ” እንታይ እዩ እቲ ናይ ቀደም ዝሓለፈ ኣብ ሂወካ ወይ ክሓልፍ ዝግብኦ ?” ንገዛእ ርስኻ ምንባር ሓሊፍዶ ?ሾቶታካ ክትሩ ድሌታትካ ሓድሽ ኮይኑዶ?
* ንገዛእ ርእስኻ ምንባር ማለት ፥ፍቓድ ኣምላክ ገዲፍካ ፥ብፍቓድ ርእስኻ ኣብ ዝተፈላለየ ገጻት ሂወትካ ምምልላስ ማለት እዩ።
ትርጉም ዮሴፍ ደስታ
Translated by Yosief Desta