መደብ ኣምላኽ ንኣዚዩ ጽቡቕ ሓዳር ዝብል ቀጺልና ኣዕሚቑና ክንሓስብ ኢና፥ነዚ መጽናዕቲ ተጠንቂቕካ እንተ ኣቕሊብካሉ ህይወትካ ክልውጥ ከም ዝኽእል ይኣምን እየ።
ኣብ ዝሓለፈ መጽናዕትና ኣምላኽ ኣብ ሞንጎ ሰብኣይን ሰበይትን ክኸውን ከም ዝግባእ ፥ንሱ ጥራይ ዘመን ህይወቶም ኣብዛ ምድሪ ክጠምሮም ከም ዘለዎ ምኽንያቱ ክኣ ኣምላኽ እቲ ዝዓበየ ጠማሪ ሓይሊ ኣብ ኣድማስ ስለ ዝኾነ፥እንተ ድኣ ካልእ ኣብ ሞንጎኦም መጺኡ ከም ገንዘብ ፥ቤተሰብ ፥ስራሕ ፥ቆልዑት ሕንፍሽፍሽ ክኣ ይኸውን፥ ስድራና ከነኽብር ኣሎናዶ ? ብርግጽ! ግናኸ ኣብ ሞንጎኻን ሰበይትኻን ክኣትዉ ኣይተፍቅደሎም ፥ደቅኻ ክትከናኾኖም ኣለካዶ? እወ ንደቕኻ መስዋእቲ ክትከፍለሎም ብዙሕ ነገር ግበረሎምን ግናኸ ካብቲ ንሓድሕድኩም እቲ ፋቐርዎ ንላዕሊ ንደቕኻ ኣይተፍቅር ፥ብዙሓት ወልዲ ኣሎዉ ካብቲ ንሓድሕዶም ዝፋቐርዎ ንላዕሊ ንደቆም ዘፍቅሩ፥እዚ ግን ፍቓድ ኣምላኽ ኣይኮነን ፥ንኣምላኽ ይእዘዝዎ የለዉን እዚ ዝዛረቦ ዘለኹ ብዛዕባ ኣመንቲ እዩ።
ከም ናይ ሰብኣይን ሰበይትን ዝጠብቕ ዝምድና ኣብ ሙሉእ መጽሓፍ ቅዱስ ዝተዘረበሉ ዝምድና የለን፥ብዛዕባ ኣብ ኤፌሶን ምዕራፍ 5 ዘሎ ኣብነት ሰብኣይን ርእሲ ሰበይቲ ሙኳኑ ንፈልጥ ኢና ግናኸ በየናይ መንገዲ ? ከምቲ ናይ ትካል ዋና ኣካይዲ ኣይኮነን፥ትፈልጥዶ እቲ ፍልልይ ኣብ ሞንጎ ርእሲ ናይ ሓደ ማህበርን ፥ርእሲ ኣካልዊ ሰብነትን ? እቲ ርእሲ ናይ ሓደ ትካል ኣብቲ ትካሉ ንዘለዉ ኣባላት ተገደሳነት ዘይብሉ ኽኸውን ይኽእል እዩ፥ ግናኸ ርእሲ ኣብ ኣካላዊ ሰብነትካ ኣዚዩ ህያው ዝኾነ ተገዳስነት ኣሎዎ ነፍሲ ወከፍ ኣባል ኣካላዊ ሰብነት እዚ ክኣ ፍቓድ ኣምላኽ እዩ።
ስለዚ ዝምድና ኣብ ሞንጎ ሰብኣይን ሰበይትን ኣብ ኤፌሶን ምዕራፍ 5 ከም ስዕሊ ከም ቀረባ ርክብ ኣብ ሞንጎ ኣካላዊ ርእስን ዝተረፈ ኣካል ሰብነት እዩ ተወሲዱ ዘሎ ካብዚ ንላዕሊ ቅርበት ዘሎ ዝምድና ዘሎዶ ይመስለካ ? ኣካላዊ ርእስኻን ኣካላዊ ሰብነትካን ዋላ ኣቦን ወድን ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ከም ርእስን ኣካልን ሰብነትን ከም እውን ኣደን ጓልን ውን ብኸምዚ ኣይተጠቕሰን ፣ወለድን ዉሉዳትን ብኸምዚ ኣይተጠቕሰን እዚ እቲ ኣምላኽ ዝደልዮ ዘሎ ቅርበት ኣብ ሞንጎ ሰብኣይን ሰበይትን ክነብርዎ ዝግባእ ብኻልእ ኣዘራርባ ንሓደ ሕድኩም ክትፋቐሩ ኣሎኩም ካብ ካልእ ዝኾነ ዓይነት ዝምድና ፥እንተ ድኣ ደቕኹም ዝያዳ ተፍቅሩ ኮይንኩም ሓዳርኩም ትዕንውዎ ኢኹም ዘሎኹም ከም እውን ንወለዱኩም ዝያዳ ተፍቅሩ ኣንተ ድኣ ኣለኩም ሓዳርኩም ተፍርሱ ኢኹም ዘለኹም ወይ ዉን ስራሕኩም ዝያዳ ተፈቅሩ እንተ ኣለኹም ሓዳርኹም ትብትኑ ኢኺም ዘለኹም ።
ዋላ ኣገልጉለትካ ካብ ሓዳርካ ንላዕሊ ተፍቅር እንተ ኣሊኻ ሓዳርካ ትብትን ኢኻ ዘለኻ ጎይታ ኣብ ህይወትኩም መጀመሪያ ግበሩ ክብል ከለኹ ብጌጋ ኣይትረዱኡኒ ዕዮ ጎይታ ቅድም ግበር ማለት ኣይኮነን ኣብ ሞንጎ ዕዮ ጎይታን ፥ጎይታን ፍልልይ ኣሎ ብዙሓት ሰባት ነዚ ኣይርድእዎን እዮም ሰባት ኣሎዉ ኣንስቶም ሸለል ዝብልዎን ከምዚ ብምባል “ዕዮ ጎይታ እየ ዝገብር ዘለኹ” ናይዚ ውጽኢትከ እንታይ እዩ ? ሓዳሮም ይዓኑ ኣብ መወዳእታ ውን እቲ ዕዮ ጎይታ ዝብልዎ ውን ይፈርስ እዚ ፍቓድ ኣምላኽ ኣይኮነን፥ ከመይ ጌይሩ ድኣ መንፈሳዊ ህይወትና ክህነጽ ዝግባእ ?
ብዓል ሰለስተ ደርቢ ዘሎዎ ገዛ ከም ስዕሊ ክጥቀም ኣፍቅዱለይ “ሕሰብ” ብዓል ስለስተ ደርቢ ገዛ ትሃንጽ ኣለኻ መጀመሪያ ግራውንድ፥ቀዳማይ ደርቢ፥ካልኣይ ደርቢ፥ሳልሳይ ደርቢ ወይ ክኣ ቀዳማይ፥ካልኣይ ሳልሳይ ፒያኖ እቲ መጀመሪያ እትሃንጾ መሰረት እዩ እዚ መሰረት ክኣ ናይ ኣምላኽ ፍጹም ፍቕሪ ብክርስቶስ የሱስ ንዓና ዝተገልጸ እዩ ኣብዚ መሰረት ክኣ ኢና ንሃንጽ ካልእ መሰረት የልቦን ፥ኣብዚ መሰረት ቅድም ቀዳድም እቲ ናይ መጀመሪያ ደርቢ ዝኾነ ክትጽውዖ ትኽእል ፥እዚ እቲ ውልቃዊ ምስ ኣምላኽ እንመላለሶ እዩ እዚ ማለት ዝምድናኻ ምስ ኣምላኽ ኣብ ብርሃን እቲ መላለሶ እዩ ሕልናኻ ንጹህን ንድምጺ መንፈስ ቅዱስ እትሰምዓሉ ናይ መጀመሪያ ደርቢ እዩ ኣብዚ ተመርዒኻ ወይ ዉን ዘይተመርዓኻ ኣብዚ እቲ ቀዳማይ ደርቢ ሃኒጽካ ኣለኻ ነዚ ምስ ሃንጸካ ወይ ዉን ትሃንጽ እንተ ሃሊኻ ቀጺልካ ናብ ካልኣይ ደርቢ ምህናጽ ትኸይድ።
ካልኣይ ደርቢ እንታይ እዩ ? እዚ ካልኣይ ደርቢ ተመሪዒኻ እንተ ኾንካ ዝምድናኻ ምስ ሰበይትኻ እዩ፣ስለዚ ምስ ጎይታ ዝምድና ድሕሪ ምፍጣርና ምስ ሰበይትና ዝምድና ክንገብር ንደሊ፥እዚ ኽኣ እዩ እቲ ካልኣይ ደርቢ እዩ ናይ ገዛና ዝምድና ፥ቀጺልና ክኣ ናብ ሳልሳይ ደርቢ ንመጽእ እዚ ኽኣ ኣገልጉለትና እዩ ቤተክርስትያን ንኣብነት።
እንተ ድኣ ኣብ ቤተክርስትያን ሽማግለ ኮይንካ ኣብ 1 ጢሞቴዎስ 3 ዘሎ መምዘኒ ትፈልጥ ኢኻ ? ጽቡቕ ቤተሰብ ክህልዎ ኣሎዎ፥ ሰብኣይ ሓንቲ ሰበይቲ፥ ፍርሃት እግዚኣብሄር ክህልዎም ደቁ ውን ብግቡእ ክዕብዮም ኣሎዎ እዚ ግን ስለ ምንታይ? እዚ ጥቅሲ ተጠንቂቕካ ኣንብቦ “እዚ ቓል እዚ እሙን እዩ ሓደ እኳ መዓርግ ኤጲስቆጶስ እንተ ደለ ሰናይ ግብሪ ይምነ አሎ። እምብኣርሲ እቲ ኤጲስቆጶስ መንቅብ ዜብሉ፡ ሰብኣይ ሓንቲ ሰበይቲ፡ ጥንቁቕ፡ ቀጻዕ ነፍሱ፡ ኣገባብ ዚፈልጥ፡ ተቐባል ጋሻ፡ ንምስትምሀር ብቑዕ ኪኸውን ይግባኦ።ዘይሰክር፡ ዘይዋቓዕ፡ ግናኸ ልኡም፡ ዘይብኣስ፡ ፈታው ገንዘብ ዘይኰነ።ነታ ቤቱ ኼስተናብራ ኻብ ዘይክእል ግና፡ ነታ ማሕበር ኣምላኽ ደኣ ኸመይ ገይሩ ኺኣልያ ይዀነሉ፧ ስለዚ ቤቱ ጽቡቕ ገይሩ ዜስተናብርን፡ ብዅሉ ምርዛን እዙዛት ውሉድ ዘለውዎን ይኹን”(1ጢሞ 3=1-5) ስለዚ ኣየናይ እዩ ቅድም ዝመጽእ ገዛኻ ተሰተናብርን ትቆጻጸርን እንተ ዘኮንካ ከም እውን ንቤተክርስትያን ከተስተናብርን ክትቆጻጸርን ኣይትኽእልን ኢኻ፥ ስለዚ ኣገልግሎትካ ድሕሪ ቤተሰብካን ገዛኻን እዩ፥እዚ ናይ እግዚኣብሄር ቃል እዩ፥መጀመሪያ ኣምላኽ ይመጽእ ፥ቀጺሉ ገዛይን ቤተሰብን ፥ብድሕሪዚ ኽኣ ኣገልግሎት ዕዮ ጎይታ ፥ሽዑ በዚ ዕዮ ጎይታ ክገብር መሰረት ኣሎኒ ማለት እዩ።
እዚ እዩ ኽኣ ሰይጣን ኣበየናይ ንቡዙሓት ሰባት ኣጥፊኡን ዘሎ ኣብ ዕዮ ጎይታ ጥራይ ከተኩሩ ጌይርዎም ፥ናይዚ ውጺኢት እንታይ እዩ ? ውልዶም ዘየተለወጡን፥ስዲ ዝኸዱ ይኾኑ፥ምስ ኣንስቶም ኣብ ገዛ ይኳረዩን ይብኣሱን ከምዚ እናገበሩ ኽኣ ናብ ዕዮ ጎይታ ይኸዱ እዚ፡ዕረፍቲ እዚ እዞም ሰባት ካብ ዘሎውዎ ናይ ኣገግልሎት ቦታ ወሪዶም ኣብ ገዛ ኮፍ ክብሉን ምስ ሰበይቶም ደቆምን ዝምድና ክሃንጹ ኣሎዎም ኢለ ይኣምን እዚ ሕጂ ዝብሎ ዘለኹ ግን ቅድሚ ንጎይታ ምግልጋልካ ሰበይትኻ መንፈሳዊት ክትከውን ኣሎዋ ኣይኮንኩን ዝብል ዘለኹ ፥ብዙሓት ሰባት ኣለዉ ንጎይታ ዘገልግሉ ኮይኑ ግን መንፈሳዊያን ኣንስቲ ዘይነበርኦም እንኮላይ ከም ዓበይቲ ናይ ኣምላኽ ሰባት ጆን ዌስሊ(jhon wesley)ሰበይቱ ስጋዊት ዝነበርትን ምናልባት ውን ዘይተለወጠት ሰበይቲ እያ ነይራቶ ግናኸ ከም ኣረኣእያኻ *ዋላኳ ኣዚያ እክይቲ ካብ ዓለም እንተ ኾነት ፍጹም ብዝኾነ ፍቕሪ ከተፍቅራ ኣለካ ፥እንተ ድኣ ኣረኣእያኻ ፍጹም ፍቕሪ ዘይቡሉ እንተ ኾይኑ፥ዕዮ ጎይታ ክትሰርሕ ኣይትኽእልን ኢኻ።
ጽብቅ ዝምድና ይሃሉኻ ኣይሃሉኻ ብርግጽ ናይ ክልተ ወገን ጉዳይ እዩ በቲ ሓደ ወገን ምትሕግጋዝ እንተ ዘይለ ጽብቕ ዝምድና ክህልወካ ኣይክእልን እዩ፥እዚ ካልእ ነገር እዩ፥ኮይኑ ግን ብወገንካ ኩሉ ግዜ ርእስኻ ከተትሕትን ይእጋራ ክትሓጽባ ክትፈቅድ ኣለካ መጽሓፍ ቅዱስ ከምዚ ይብል ከምቲ የሱስ ንቤተክርስትያን ዘፍቀራ ሰብኣይ ንሰበይቱ ከፍቅራ ኣሎዎ ፥ሰብኣይከ እንታይ ክገብር ኣሎዎ ? ይእጋራ ክሓጽብ ክፈቅድ ኣሎዎ ብኻልእ ኣዘራርባ ርስሓት ዘሎዎ ስራሕ ንሰበይቱ ክሰርሓላ ኣሎዎ ማለት እዩ፥እዚ ጎይታ ንቤተክርስትያን ዝገበረላ ንክንደይ ግዜ ዝኸውን ይቕረ ኢልዎ ? ሚሊዮንን ምሊዮን ግዜ፥ንኽንደይ ግዜ ዝኸውን ሰብኣይ ንሰበይቱ ይቕረ ክብለላ ኣሎዎ፡? ሚሊዮን ግዜ ሚሊዮን መጨረሽታ የብሉን ! እዚ እዩ ከምቲ ጎይታ ንማሕበሩ ዘፍቀራ ሰብኣይ ክኣ ንሰበይቱ ምፍቃር ማለት ፥እንተ ድኣ ሕጉስ ናይ ሓዳር ህይወት ክትሕልፍ እንተ ደሊኻ መምሪሕታት ናይ ፈጣሪኻ ስዓብ “ከምቲ ክርስቶስ ንማሕበሩ ዘፍቀራ፡ ኣቱም ሰብኡት፡ ኣንስትኹም ኣፍቅሩ። ክርስቶስ ብቓሉ ገይሩ ብምሕጻብ ማይ ምስ ኣጽረያ ምእንቲ ኪቕድሳ፡ ርስሓት ወይስ ዕጣር ወይስ ገለ ነዚ ዚመስል ዜብላ፡ ብዘይ መንቅብ ቅድስትን ክብርትን ማሕበር ገይሩ ንእኡ ምእንቲ ኬቕውማ ኢሉ፡ ርእሱ በጃኣ ሃበ። ሰብኡትውን ከምኡ፡ ነተን ኣንስቶም ከም ስጋኦም ገይሮም ኬፍቅርወን ይግባኦም እዩ” (ኤፌሶን 5=25-28)።
ብዛዕባ ኣንስቲኸ እንታይ ይብል? ብርግጽ ትእዛዝ ንኣንስቲ ቅድም ይመጽእ ካብ ትእዛዝ ንሰብኣይ ፥እንተ ሰበይቲ ኮንኪ እንታይ ክትገብሪ እዩ ኣምላኽ ነጊሩኪ ? ተጠንቂቕኪ ኣንብብዮ (ኤፌ5=22) “ከምቲ ክርስቶስ ርእሲ ማሕበሩ ዝዀነ፡ ንሱ ምድሓን ስጋኡ ኸኣ እዩ፡ ሰብኣይ ከኣ ርእሲ ሰበይቱ እዩ ” ፥ ሽዑ ክኣ ኣብ ጥቕሲ 24 ከመይ ጌርኪ ክትእዘዚ ከም ዘለኪ ይነግር “ከምቲ እታ ማሕበር ንክርስቶስ እትእዘዞ፡ ከምኡ ድማ ኣንስቲ ንሰብኡተን ብዅሉ ይተኣዘዛኦም (ኤፌሶን 5=24) “ከምቲ ቤተክርስትያን ንክርስቶስ ትግዛእ ከመኡ ክኣ ኣንስቲ ንሰብኡተን ኣብ ነፍሲ ወከፍ ነገር ክግዝኣ ኣሎዎን፥.ከመይ ኢላ እያ ቤተክርስትያን ንክርስቶስ እትግዛእ ንጎይታ እትእዘዝ ብኽርክርን ፤ ብህኮት ፥ብግዲ ዘይኮነስ ግናኸ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ብኣዚዩ ብደስታ እዩ ፥ስለዚ ሰብኣይኪ ምስ ቃል ኣምላኽ ዝጻረር ነገር እንተ ነጊሩኪ ንሰብኣይኪ ዘይኮነስ ንኣምላኽ ክትእዘዚ ኣለኪ ፥ ኣብ ካልእ ገጻት ግን ሰበይቲ ንሰብኣያ ክትእዘዝ ኣሎዎ ኣዚ ምህሮ ቃል ኣምላኽ እዩ።
ሕጂ መጠንቀቕታ ክህበኩም ይደሊ እቲ ዝዓበየ ሓደጋ ዋላ ኣብ ክርስትያን ቤተሰብ ሰብኡት ከምዚ ዓይነት ጥቕሲ ወሲዶም ንኣንሰቶም ብምንጋር ከም ሞዶሻ ተጠቒሞም ርእሰን ክህርምዎን ከለዉ እዩ ከምዚ ብምባል ” ንዓይ ክትግዝእኒ ኣለኪ” ሕጂ ተጠንቂቕኩም ኣስተውዕሉ ኣስብኡት መጽሓፍ ቅዱስ “ኣስብኡት ኣንስትኹም ከም ዝእዘዛኹም ግበሩ” ኣይብልን እዩ ስራሕኩም ከምቲ ክርስቶስ ንቤተክርስትያን ዘፈቀራ ንስኹም ክኣ ኣንስትኹም ምፍቃር እዩ በቃ እዚ እዩ እቲ ኹሉ ። ከም እውን ኣንስቲ ሓደ ቃል ክዛረበክን ኣፍቅዳለይ “ኣንስቲ ኣስብእትኩን ከምቲ ክርስቶስ ንማህበሩ ዘፍቀራ ከም ዘፍቅሩኹን ግበርኦም” ዝብል ጥቕሲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ የለን፥ግናኸ ከምዚ እዩ ገለ ኣሰብኡትን ኣንስቲ ዝርድእዎ። ከምዚ ዓይነት ጽሑፍ ይረኽቡ እሞ ሰብኣይ ሰበይቱ ክትገብሮ ዝግብኣ የንብብ ኣብ ክንዲ እንታይ ክገብር ኣሎዎ ዘንብብ፥ሰበይቲ ክኣ ሰብኣያ ክገብሮ ዘሎዎ እያ እተንብብ ዘላ ኣብ ክንዱ ንሳ ክትገብሮ ዘለዋ እተንብብ ፥በዚ እዩ ኽኣ ፍጹም ዝኾነ ሕንፍሽፍሽ ዝመጽእ ልክዕ ከምቲ ኣብ ገነት ኤደን ዝነበረ ፥ኣዳም ኣጻብዕቱ ናብ ሰበይቱ ብምምልካት “ንሳ እያ ጠንቂ እቲ ጸገም” ኢሉ ትሪኡ ኣለኹም እዚ ነገር ዝጀመረ ኣብ (ዘፍጥረት ምዕራፍ 3) በዚ ኽኣ ኣብ ልዕሊ ሰበይቱ ኣጻብዕቱ ብምምልካት ከምዚ ኢሉ እዚ ኹሉ ጸገም ዝጀመረ ብኣኣ እዩ ኣነ እንታይ ክገብር ? እቲ ጌጋ ናቱ ሙኳኑ ኣይኣመንን፥ ኣምላኽ ክኣ ንታ ስበይቲ ሓቲትዋ እንታይ እዩ እቲ ጠንቂ ናይዚ ጸገም? “ንሳ ኽኣ ኣጻባዕታ ናብቲ ተመን ብምምልካት ጠንቂ እቲ ጸገም ሰይጣን እዩ ማለት ናተይ ጌጋ ኣይኮነን ሰይጣን እዩ ሓደ ነገር ጌይሩ”።
ይዕሩኽተይ ሓደ ነገር ክነግረኩም ይደሊ ክሳብ ንሓድሕድኩም ትካሰሱን ከም እውን ንሰይጣን ብምኽሳስኩም ካብ ገነት ክትስጎጉ ኢኹም ፥እዚ እዩ ኣዳምን ሄዋንን ዘጋጠሞም፥ሓጥያት ሰሪሖም ጉድለቶም ክቕበሉ ስለ ዘይክኣሉ ንኽልቲኦም
ካብ ገነት ኤደን ኣባሪርዎም፥ናይ ኣዳም ሓጥያት እንታይ እዩ ? ከም ርእሲ ቤቱ ቦቱኡ ኣይሓዘን ሄዋን ንታ ፍረ ክትበልዕ ከላ ደው ከብላ ይኽእል ነይሩ ከምዚ ብምባል “እዚ ጌጋ እዩ” ኮይኑ ግን ብዘይ ገለ ዘረባ ስቕ ኢሉ ደው ኢሉ፥ኣዳም እቲ ናይ መጀመርያ ሰብኣይ ናይ ሰበይቲ ባህሪ ዘሎዎ ሰብኣይ እዩ፥ ከም ርእሲ ቤቱ ቦቱኡ ክሕዝን ክዓይን ኣይክኣለን።
እምብኣር ሰብኡት ኣብ ገዛ ከም ርእሲ ቦትኦም እንተ ዘይሒዞም ኣብ ገዛ ሕንፍሽፍሽ ኣሎ፥ኣንስቲ ውን ከም ደገፍትን ሓገዝትን ኣብ ቤተን ቦትኤን ክሕዛ እንተ ዘይኪኢለን ግናኸ ከም መራሕቲ ክኾና እንተ ጀሚረን ከምቲ ሄዋን ኣብ ገነት ኤደን ገነት ዝገበረቶ ከም እንደገና ሰይጣን ናብዚ ዘይምርድዳእ ይመጽእ። ስለዚ ንሓድሕድና ምውቕቓስ ደው ከንብሎ ኣሎና ፥ሰብእይ እንተ ድኣ ኮይካ ከምዚ በል ” ጎይታ ግብኦይ ሰበይተይ እንታይ ክትገብር ከም ዘለዋ ኣናዲየ ክፈልጥ ዘይኮንኩ ናተይ ስራሓ ከምቲ ክርስቶስ ንማህበሩ ዘፍቀራ ኣነውን ንሰበይተይ ምፍቃር እዩ” ሰበይቲ እንተ ድኣ ኮንኪ ከምዚ ክትብሊ የድሌኪ “ጎይታ ናተይ ስራሕ ሰብኣየይ እንታይ ክገብር ከም ዘለዎ ኣናድየ ክፈልጥ ዘይኮነስ ግናኸ ንሰብኣየይ ክግዛእ ጥራይ እዩ” እንተ ድኣ ነፍሲ ወከፍኩም ኣምላኽ ክትገብርዎ ዝደሊ እንተ ድኣ ጌርኩም፥ ኣብ ክንዲ ናይ መጻምድኻ ጌጋ ኣብ ምንዳይ ዝተጸምደ ሰብ ትኸውን ከምዚ እናበልካ “ንሱ ኣምላኽ ዝበሎ ኣይገብርን እዩ ዘሎ ” ኣብዚ ሰላም ክህሉ ኣይክእል እዩ ቀጻሊ ዕግርግር እዩ ክህሉ ፥ስለ ምንታይ ጉድለትካ ባዕልኽ ምውሳድ ዘይትጅምር ካብ ሎሚ ጀሚርካ ገዛእ ርስኻ ብምትሓት ፥በዚእ እዩ ኽኣ ጽብቕ ሓዳር ክትምኮሮ ኣምላኽ ክህበካ ዝደሊ።
•ትርጉም ዮሴፍ ደስታ
Translated by yosief desta