ሓደ ካብ ባህሪያት እግዚኣብሄር ክረኤ ወይ መወዓውዒ ክገብር ዘይፈቱ ሙኻኑ እዩ፥ኣብ ቃል ኣምላኻ ብዛዕብ እዚ ከምዚ ተጻሒፉ ኣሎ “ዎ ኣምላኽ እስራኤል ዎ መድሓኒ ብሓቂ ንርእስኻ እትስውር ኣምላኽ ኢኻ” ( ኢሳ 45=15)ብሓቂ ኣምላኻ ርእሱ ይስውር እዩ ኣምላኻ ንዕኡ ክንመስል እዩ ዝደሊ፥ተማቐልቲ ባህሪያቱ ክንከውን ነገራት ክሰርህ ከሎ ከይተፈልጠ ክገብር ዘፍቅር፥ነገራት ክገብር ኮሎ ክብሪ ናእዳ ዘይደሊ፥ኣምላኻ ኣዚዩ ዓቢ ስራሕ ኣባና ክሰርሕን በዚ ንካልኦት ክንባርኽን ፥ድሕሪኡውን ክንስወር እዩ ዝደሊ።
በቲ ዝገብርናዮ ክብሪ ሰብ ካብ ምድላይ፥ሰባት ክንእዱና ካብ ምድላይ ሓራ ክገብረና እዩ ዝደሊ፥ኣብ እብራዊያን (7=17) መልከጼድቅ ዘይተፈልጠ፡ሰብ እዩ ፥ ግናኻ ንኣምላኻ ብቐረባ ዝፈልጥ ፥ንኣብርሃም ድማ ካብ ውግእ ምስ ተመለሰ ብመግብን፥ ቃልን ዝባረኾ እዩ። (ዘፍ 14=14-20) ኣብራሃም ካብ ውግእ ምስ ተመለሰ ደኺሙን ፥በቲ ዝረኸቦ ዓወት ክኣ፥ ክዕበ ኣብ ዓቢ ሓደጋ እዩ ነይሩ፥ተወሳኺውን ነቲ ካብ ንጉስ ሶዶም ዝማረኾ ንብረትውን ክምነዮ ኣብ ሓደጋ እዩ ነይሩ። ግናኸ ኣምላኻ ንመልከጼድቅ ሊኢኹ መግቢ ንቲ ዝደኸመ ሰብነቱ ፥ካብ ትዕቢትን ትምኒትን ንነብሲ ኣብራሃም ከድሕኖ ቃል ሂብዎ።
መለከጼድቅ ንኣብራሃም ከምዚ ኢሉ ተዛሪብዎ “ክብሪ ንኣምላኻ ወናኒ ሰማይን ምድርን ኣብ ልዕሊ ጸላእትኻ ዓወት ዝሃበካ” መከጼድቅ 7 ነጥቢ ዘሎዎ ነዊሕ ስብከት ኣይተዛረቦን ፥ሓንቲ መስመር ቃላት እዩ ተዛሪቡ ፥ግናኸ ንኹሉ መሰረታዊ ድሌታት ኣብርሃም ዝኸውን ትንቢታዊ ቃል እዩ ነይሩ፥በዛ ሓንቲ መስመር ቃል መልከጼድቅ ንኣብርሃም ኩሉ እቲ ዓወት ዝሃቦ ኣምላኻ ሙዃኑ ኣረዲእዎ፥ ተወሳኺ ውን ኣምላኻ ወናኒ ሰማይን ምድሪን ስለ ዝኾነ ፥ከም ልምዲ ኣብ ውግእ ዝትዓወቱ ዝገብርዎ፥ኣብራሃም ኣብቲ ውግእ ብዝረኸቦ ንብረት ከይባላሾ ኣዘኻኺርዎ፥ድሕሩ ሒደት ደቓይቕ ኣብራሃም ንንጉስ ሰዶም ምስ ረኸቦ ፥እተን መልከጼድቅ ዝነገሮ ቃላት እቲ ቅኑዕ ክገብር ኣኽኢልዎ፥ኣብርሃም ንንጉስ ሶዶም ኣምላኻ ወናኒ ሰማይን ምድርን ስለ ዝኾነ ሓንቲ ፈትሊውን ትኹን ካብቲ ብልሽው ምርኮ ከም ዘይወስድ ነጊርዎ (ዘፍ 14=22-24) የሱስ ከም ስርዓት መልከጼድቅ ሊቀ ካህን ኮይኑ ብኣምላኻ ተሸይሙ እዩ፥ንሕናውን ሕጂ ብመሰረት ኣብ ላዕሊ ዘሎ ካህናት ኢና በዚውን ኣገልግሎትና ንመልእ።
ከም መልከጼድቅ ብዘይ ርኣዩኒ፣ፈንጠዝያ፥ወይ መወዓውዒ ብዘይድምጺ ተራእዩ ንእብርሃም ዘድልዮ ነገር ፥መግቢ ንሰብነቱ፥ቃል ድማ ካብ ትዕቢት ስስዔን ክሕሎ ሂብዎ።ድሕሪ ንኣብራሃም እዚ ነገር ምቕራቡ ከምቲ ዚመጾ ብዘይ ድምጺ ተሰዊሩ።ከምዚ ዓይነት ኣገልግሎት ኢና ክንምነ ዝግባእ።በዘይድምጺ ንቶም ስእነት ዘሎዎም ምሃብን፥ምብራኽን ብድሕሪ እውን ክንስወር ኣሎና ኣሎና፥ክብሪ፥ናእዳ፥ምስጋና፥ተፈላጥነት ገዛእ ርእስና ከይደለና።
ሎሚ ሰባት ኣብዛ ዓለም፥ኣብ ዝሰርሕሉ ቦታ፥ደኺሞምን ሓይሎም ጸንቂቖም እዮም ናብ ቤተክርስትያን ዝመጹ ከም መልከጼድቂ ክትንበ ክትሃንጽን ንቶም ኣመንቲ መንፈሳዊ መግቢ ክትቅርብ ብእኡ ድማ ክሕደሱን ዝድነቕ እዩ፥ብተግባራዊ መንገዲ፥ ብምድራዊ መንገዲ፥ ክትሕግዞም ከም መጠን ጎዶሎኦም ህይወቶም ክኣ ቀሊል ክትገብሮ ክንደይ ጽብቕ እዩ።ብዛዕባ ገዛእ ርእሶም ዝተጋነን ሃሳብ ዘሎም ውሕድ ትሕዝቶ ነዊሕ ዘረባ ዝዛረቡን ኣብ ቤተክርስትያን ክኣ ዘሕዝን እዩ።፥ከምዚ ዓይነት ኣሰልቻዊ ነዊሕን ስብከት ኣብቲ ማሕበር ሞት እዩ ዘምጽእ፥ ከም እውን ልክዕ እዋናዊ ቃል ፥ትንቢታዊ ንሕዋት ከተቕርብ ኣብ ማህበር ኩሉ ግዜ ክንደይ ድንቂ እዩ።
ግናኸ ከምዚ ክንበ፥ ቃል ከነምጽእ እተኾይና ካህናት ኮይና ብምስጢር መስዋእቲ ነቕርብን ምስ ኣምላኻ ጠቢቕና ብንጹሕ ሕልና ክንመላለስ ኣሎና። ኣብ ኣምላኻ ኣድልዎ የለን፥ኣምላኻ ንነፍስ ወከፍና ሓውን፥ ሓፍቲን ከም ስርዓት መልከጼድቅ ኣብ ቤተክርስትያን ካህናት ክንከውን ፥ክንበን እዩ ዝደሊ (ግብ 2=17′ 18) (1ቆሮ 14=31) ፍቓደኛ እንተ ኾንካ ዘሎካ ኩሉ ኣብ መሰወኢ ከተቕምጦ ከም ካህን፥ክትንበውን እንተ ደሊኻ፥ሓቂ ዝኾነ ሓልዮት ክንክንን ንሕዋት ኣሓት እንተለካ፥ናይ ገዛእ ርእሳኻ ክብርን ፥ዝናን ድሌት እንተ ዘይብልካ ሽዕኡ ኣምላኻ ቃል ኣብ ኣፍካ ከቐምጥ እዩ፥ንድሌታት ይሕዋትን ኣሓትን ዘድሊ እዋናዊ ቃል ኣብ ነፍስ ወከፍ ምእካብ ማህበር ዋላኳ እቲ እተቕርቦ ሓሳብ ሓንቲ መስመር ዘሎዋ ክዋሃበካ እዩ።
ኣብ ስርዓት ክህነት መልከጼድቕ ኩሉ ሰብ ሓደ እዩ ፉሉይ ዚብሃል ሰብ የለን፣ስለዚ በቲ ዘለካ ውህበት ፍሉጥ ክትከውን ኣይትድለ፥ዋላ ሓንቲ ከም ዘይኮንካ ክትከውን ይግባእ፥ከም ናይ መልከጼቅ ኣገልግሎት እንተ ደሊኻ ዘይፉሉጥ ኩን፥ኣብ ሓሳብካው ንገለ ሰባት ናብ ክርስቶስ ከም ዘምጻኻ፥ወይ ውን ከም ኣገልጋሊ ኣጋንንቲ ኣውጼ ኢልካ ፥ወይ ውን ንሕሙም ዝጸለኹ ኢልካ፥ወይ ኣብ ቤተክርስትያን መራሒ ኣምልኾ ኢልካ ፥ወይ ውን እዚን እቲ ዚገብርኩ ኢልካ ክትሓስብ የብልካን፥ክብሪ፥ ዝና ፥ማዕርግ ቅድሚ ስምካ ዘይብልካ ኮንካ ከም ተራ ኣምኒ ወይ ሓው ክትከውን በኡውን ክትዓግብ ይግባእ።
(Bless the others and disappear. Seek to be unknown.)
ትርጉም ዮሴፍ ደስታ
Translated by Yosief Dest