//እምነት ብሓዊ እዩ ዝፍተን (ብሓው ዛክ ፑነን ዝተጽሓፈby zac poonen)

እምነት ብሓዊ እዩ ዝፍተን (ብሓው ዛክ ፑነን ዝተጽሓፈby zac poonen)

ሃዋርያ ጴጥሮስ ኣብ ኣብ ቀዳማይ መልእኽቱ ኩሉ ኣብ ምድሪ እንረኽቦ መከራ “ንግዜኡ ጥራይ ሙኳኑ ” ብመንጽር ዘልኣለማውነት ክረኤ ከሎ ዋላ 100 ዓመታት ጥራይ ንኣዚዩ ቅሩብ ግዜ ምጽናሕ እዩ፥ እዚ ዘልኣለማዊ ኣረኣእያ ኣብ ማእከል ኩሉ መከራና ክህልወና ኣሎዎ፥ ኩሎም ሃዋርያት እዚ ኣረኣእያ ነይርዎም ፥ያዕቆብ ንህይወትና ከም ትኪ ገልጽዎ ኣሎ “ንስኻትኩም ነቲ ጽባሕ ዚኸውን ኣይትፈልጥዎን ኢኹም። ህይወትኩም ደኣ እንታይ እያ፧ ንቕሩብ ጊዜ ተርእያስ፡ ደሓር ዚበንን ትኪ ኢኹም” (ያዕ 4=14) ጳውሎስ ውን ከም “ግዚያዊ መከራ” ክብል ጸዊዕዎ ኣሎ “እቲ ሽዓ ዚሐልፍን ቀሊልን ጸበባና … ” (2 ቆሮ 4=14) ናይ ቀዳማይ መልእክቲ ጴጥሮስ ዋና መልእኽቲ እቲ ሓቀኛ ጸጋ ኣምላኽ ከም ዝብል ዘክር ፥ ስለዚ እቲ ቀዳማይ ኣብዚ ፍጹም እንርድኦ ነቶም ሓቀኛ ጸጋ ኣምላኽ ዝተቐበሉ ክርስትያናት ዝተፈላለየ ዓይነት መከራ ክገጥሞም ልሙድ ዝኾነ ነገር ሙኳኑ እዩ።

ኣምላኽ ኩሎም ደቁ መከራ ክገጥሞም ይፈቅድ እዩ ፥ምዓስ ብልክዕ ይሰደሎም ክኣ በቲ ዓቢ ጥበቡ ይፈለጥ እዩ፥ ዕላማ ናይዚ መከራ ክኣ እምነትካ ናይ ብሓቂ ሙኳኑ ንምርግጋጽ እዩ፥ልክዕ ከምቲ “ወርቂ ብሓዊ ዝፍተን ” ወርቂ ካብ ውሽጢ ምድሪ ተኳዒቱ ክወጽእ ከሎ ጹሩይ ኣይኮነን እቲ እንኮ መንገዲ ንምጽራዩ ብሓዊ ክሓልፍ ብምግባር እዩ፥ እዚ ጥራይ እዩ ንቲ ርስሓት ከወግዶ ዝኽእል ግናኸ ነቶም ምስ ወርቂ ተሓዊሶም ዝወጹ ሓጻውን ብሳሙናን ማይን ጌይርካ ብምፍሕፋሕ ነቲ ወርቂ ከትጽርዮ ኣይትኽእል ኢኻ እዚ ነቲ ርስሓት ጥራይ እዩ ክኣልዮ ዝኽእል፥ግናኸ ነቶም ምስቲ ወርቂ ተሓዊሶም ዘለዉ ማዕድናት ከተልግሶም ኣብ ሓዊ ከተቕምጦ ኣሎካ ሽዑ እዩ ኽኣ እቶም ምስቲ ወርቂ ዝትሓወሱ ማዕድናት መኺኾም ዝኸዱን እቲ ጹሩይ ወርቂ ክኣ ኣብ ቅድሚት ይመጽእ፥እቶም እቲ ሓልፎም መከራ ከም ሓዊ ክኾኑ ይኽእሉ ይጎድኡ እዮም ልክዕ ከም ኣብ ሓዊ ዘለኻ ውን ይስምዓካ ፥እቲ እንኮ ዕላማ ናይዚ ሓዊ ኣብ ህይወትካ ዘሎ ዘይንጹህ ነገራት ንምውጋድ እዩ ንኣብነት ከም ኣብ ሃገራት ክርስትያናት ዝእሰሩለን፥ዝሳቐይሎን፥ ንብረቶም ዝውረሰሉ ናይዚ ውጽኢት እንታይ እዩ ? እዞም ክርስትያናት ዝበለጸ መንፈሳውያን ተጓዓዝቲ ይኾኑ ኣብ ኢዶም ዋላ ሓንቲ ነገር ስለ ዘይብሎም ምስ ንብረቶም ብሒደት ጥራይ ይትሕሓዙ ፥ግናኸ መከራ እንተ ዘይልቦ ኮይኑ ዋላ እቶም ኣዚዮም ብሉጻት ክርስትያናት ምስ ዝውንንዎ ንብረቶም ኣዚዮም ዝተተሓሓዙ ክኾኑ ይኽእሉ ፥ምናልባት ምስ ንብረትና ዘይተተሓሓዝና ጌርና ክንሓስብ ንኽእል ግናኸ ርእስና ኢና ነታልል ዘለና፥ ኣምላኽ ኣብ ምድርና እዚ መከራ ክፈቅድ ይኽእል እዩ ፥ ሽዑ ክንጸሪ ኢና።

ኮሙኒስት ንሩስያ ምስ መርሕዋ ክርስትያናት ኮሎጅ ይኹን ጽብቕ ስራሕ ከም ዘይረኽቡ ሰሚዔ ነይረ ፥እቲ ክረኽብዎ ዝኽእሉ ዝነበሩ ስራሕ ትሕት ዝበለ ከም ኣብ ጎዳና ምጽራይ እዩ ነይሩ ፤ኣብ ከምዚ ኩነታት ብቐሊሉ ካብ ክብርን ፥ ብዙሕ ገንዘብ ስለ ዝተኸፈልካ ኣገዳሲ ሰብ ሙኳንካ ዝስምዓካ ካብ ከምዚ ነገር ክፈላሌና ይኽእል እዩ፥ኩሉ እቲ ዘይድሊ ካብ ወርቂ መኺኹ ምስ ከደ ከም እውን ንሕና ንጹሃት ንኽውን፥ በዚ ምክንያት እዩ ኽኣ ኣብ ከምዚ መከራ ዘሎዎ ኣዚዮም ብሉጻት ክርስትያናት ኣብ ዓለም ዘለዉ፥በዝውን ክርስትያናት መከራ ክረኽቡ የብሎምን ኢለ ዘይጺሊ ምኽንያቱ ክኣ ኣንጻር ናይ ቤተክርስትያን ምንጻህ ይጽሊ ኣለኹ ማለት እዩ ፥ንመከራ ክመጽእ ኢለ ኣይጽልን እየ ከም እውን መከራ ከይመጽእ ኢለ። ጎይታ እቲ ዝበለጸ ንማሕበር ኣምላኽ እንታይ ሙኳኑ ይፈልጥ እዩ ስለዚ ንሱ ክውስን ይገድፎ፥ንዓይ ውን ብማዕረ ጽቡቕ እዩ፥ እቲ ሓቀኛ ጸጋ ኣምላኽ ምስ ተቐበልና ኣረኣእያና ከምዚ ክኸውን እዩ።

ጴጥሮስ ከምዚ ክብል ይቕጽል እዚ ኩሉ እንረኽቦ መከራ የሱስ ክምለሰ ከሎ ብዙሕ ክብሪ ምስጋና እዩ ውጽኢቱ ፥ኣብ ሞንጎ እዞም መከራታት ዋላኳ ንየሱስ እንተ ዘይረኣናዮ ግና ነፍቅሮ ኢና ።እመንን ብዓቢ ሓጎስ ውን ተደስት ጴጥሮስ ብኣካል ንየሱስ ሪኢዎ እዩ ግናኸ የሱስ ከምዚ ኢሉ ኣሎ ” የሱስ ከኣ ሳላ ዝርኤኻኒ ኢኻ ዝኣመንካ እቶም ከይረኣዩ ዚኣምኑ ብጹኣን እዮም በሎ ” (ዮው 20=29) ክንደይ ካብኻትኩም ነዛ ጥቕሲ ትኣምንዋ ኣይፈልጥን እየ፥ ካብቶም ንየሱስ ብኣካል ዝርኣይዎ ከም ብዓል ጴጥሮስ ካብኦም ንላዕሊ እቶም ዘይርኣናዮ ብጹኣና ሙኳና፥ ነዚ ነገር ብሙሉእ ልበይ ይኣምን ምክንያቱ ክኣ የሱስ ስለ ዝበሎ። ጴጥሮስ ከምዚ ብምባል ይቕጽል ብምኽንያት በቲ እንሓልፎ መከራ እሙናት ኮይና ብምኻድና ናይ ነፍስና ምድሓን ንቕበል ኢና ” ነዚ ኸይርኤኩምዎ እተፍቅርዎ፡ ሕጂውን ከይርኤኹምዎ ብእኡ እትኣምኑ ዘሎኹም፡ ነቲ መደምደምታ እምነትኩም፡ ንሱ ድማ ምድሓን ንፍሳትኩም፡ ምስ ረኸብኩምዎ፡ ብዘይንገርን ክቡርን ሓጐስ ትሕጐሱ ኢኹም ” (1ጴጥ 1=8-9) ሃዋሪያ ጴጥሮስ ካብ ምድሓን ካብ ሲኦል ንላዕሊ ብዛዕባ ምድሓን ነፍሳትና ዝያዳ ይዛረብ።

ነፍስና ሱሱዓትን ዑቡያትን ካልእ ኩፉእን ካብ ኣዳም ወሪሱ እዩ፥ ካብቲ ኩሉ ክፉእ ካብ ኣዳም ዝወረስናዮ ክንድሕን የድሌና እዩ ፥ከም ልብና ብንብረት እዛ ዓለም ዝተትሓዘ ሙኻን፥ ክብሪ ርእስና ምፍቃር ፥ኣብ ገዛ ርእስና ጥራይ ዘተኮረ ህይወት ፥እሳት ዘለዎ መከራታት ሰደትን ካብዞም ካብ ኣዳም ዝወረስናዮም ብዙሓት ክፉእ ባህሪ ንኽንናገፍ ይሕግዘና እዩ።ሕሰብ ናይ ኣእምሮ ጸገም ዘለዎ ቆልዓ ክህልወካ ገለ ሰባት ከም ዓቢ ዕድል ዘምህላው ጌይሮም ክሓስብዎ ይኽእሉ ዋላ ሓደ ካባና ከምዚ ቆልዓ ክህልዎና ኣይንጽልን ኢና፥ግናኸ ስድራ ነቲ ቆልዓ ዘፍቅርዎ ኣምላኽ ክኣ ከምኡ ክከውን እንተ ፈቒዱ ርግጸኛታት ክንከውን ንኽእል ኢና ኣምላኽ ነቲ ነገር ናብ ጽብቕ ከም ዝልውጦ ፥ስድራቤታ ከምዚ ዓይነት ቆልዓ ዘለዎም ናይ መስዋእቲ ምክፋል መንፈስ ካብ ካልኡት ንላዕሊ ኣሎዎም፥ መብዛሕትኡ ግዜ ኪኢላን ንፉዑን ቆልዓ ዘለዎም ስድራ ብዘይርዳእ ኣብ ህይወቶም ትዕቢይት ይመጽእ እዩ ፥ትዕቢት ናይ ሰማይ ንብረት ኣይኮነን ናይ ሲኦል እዩ ግናኸ ሕማቕ ኣጋጣሚ ኮይኑ ትዕቢት ኣብ ብዙሓት ኣመንቲ ስድራቤት ይርከብ እዩ።

ኣምላኽ ደቁ መከራ ክገጥሞም ይፈቅድ እዩ፥በቲ ዓቢ ጥበቡ ጌይሩ ምዓስ ክሰዶም ኣሎዎም ብልክዕ ይፈልጥ እዩ፥ ኣብ ቅድሚ ጎይታ ደው ምስ በልና በቶም ኣብ ህይወትና ክመጹ ዝገበሮም መከራ ዋላ ሓንቲ ውን ትኹን ኣምላኽ ጌጋ ከም ዘይገበረ ክንፈልጥ ኢና፥ ኣብ ማእከል እቲ እንሓልፎ መከራ ብዘይንገር ሓጎስ ክትሕጎስ ኢኻ
ናይዚ ውጽኢት ክኣ ምድሓን ነፍስኻ ክኸውን እዩ እዚ ምድሓን ኣብ ዝሓለፈ ዘመናት ክፈልጥዎን ክርድእዎን ደለዩ ግናኸ ኣይክኣሉን፥ዋላ ነዚ መልኣኽቲ ክሪእዎ ይብህጉ እዮም። “ንኣኻትኩም እምበር፡ ንርእሶም ከም ዘየገልገሉ ተገልጸሎም። እዚውን በቶም፡ በቲ ኻብ ሰማይ እተላእከ መንፈስ ቅዱስ ገይሮም፡ ወንጌል ዝሰበኹልኩም ሕጂ ተነግርልኩም፡ መላእኽቲ ናብኡ ኺጥምቱ ይብህጉ እዮም” (1ጴጥሮስ 1=12) ግናኸ መንፈስ ቅዱስ ካብ ሰማይ ተላኢኹ ንሰባት ውን ነቲ ወንጌል ዝሰብኩ ቀቢእዎም ስለዚ ጴጥሮስ ከምዚ ይብል፡ድንቂ ዝኾነ ወንጌል ኣሎና ንሓጺር ግዜ በዞም መከራ ክንሓልፍ ኣሎና ኣኣሙሮና ከንብልሕን ንምጽኣት ጎይታ ብምጽብባይ ኣብ ቅድሜና ብምግባር ፥ከም እውን በቶም ዝገጥሙና መከራታት ክንሽበር የብልናን “ስለዚ ሓቛቝ ልብኹም ተዐጢቕኩም እናተጠንቀቕኩም፡ ነቲ ብምግሃድ የሱስ ክርስቶስ እትረኽብዎ ጸጋ ምሉእ ተስፋ ግበሩ” (1ጴጥሮስ 1=13)።

•ትርጉም ዮሴፍ ደስታ
Translated by yosief desta
05/26/2017