“ኣነ ፍቓድ እቲ ዝለኣኸኒ እምበር ፍቓደይ ምእንቲ ኽገብር ኣይኰንኩን ካብ ሰማይ ወሪደ ዘሎኹ” (ዮው 6=38)።
ኣብዚ ላዕሊ ዘሎ ቃል ጎይታና የሱስ ክርስቶስ ካብ ኣፉ ብዝወጸ ቃል ንምንታይ ናብ ምድሪ ከምዚ መጸ የረድእ፥ኣብዛ ሓንቲ ሙሉእ ሓሳብ የሱስ ነፍሲ ወከፍ ናይ ምድሪ ምዓልታዊ ሂወቱ እንታይ ከምዝነበረ ትገልጸልና፥እቲ 30 ዓመት ሂወት የሱስ ኣብ ናዝሬት ንዓና ዝተሓበኤ እዩ።ግናኸኣብዚ ላዕሊ ዝረኣናዮ ቃል የሱስ ነፍስ ወከፍ ናይ 30 ዓመታት ሂወቱ ነጊሩና እዩ፥ንሱ ኽኣ ጎይታ ፍቃዱ ብምኽሓድ ፥ፍቃድ ኣቡኡ ድማ ጌሩ።
ክርስቶስ የሱስ ምስ ኣቦ ኣብ ሰማይ ከሎ ካብ ዝሓለፍ ዘልኣለም ፥ፍቓዱ ክኽሕድ ኣይድለዮን እቲ ምክንያት ክኣ ፍቓዱ ምስ ፍቓድ ኣቦ ሓደ ስለዝነበረ።ግናኸ ናብዛ ምድሪ ከምዚ ለቢስናዮ ዘሎና ስጋ ለቢሱ ምስመጸ ፥እዚ ስጋ ድማ ፍቓድ ኣሎዎ ኩሉ ግዜ ኽኣ ምስ ፍቓድ ኣምላኽ እዩ ዝጻረር ኣብ ነብስ ወከፍ ነጥቢ።ስለዚ እቲ ሓደ መንገዲ የሱስ ፍቕድ ኣቦ ክገብር ገዛእ ፍቓዱ ኩሉ ግዜ ክኽሕድ ነይርዎ።እዚ ድማ የሱስ ኣብ ዘመን ምድራዊ ሂወቱ ዝተሰከሞ መስቀል እዩ።ጎይታና የሱስ ገዛእ ፍቓዱ ሰቒልዎ እዩ፥በዚ እዩ ኽኣ ሕጅዉን ንሕና ክንስዕቦ እንተኾይና መስቀል ከንልዕል ዝሓተና።ምናልባት ብዙሕ ኣይርድኣናን ይኸውን እምበር ብውሑዱ ሚእቲ ዝኸውን ኣብ ምዓልቲ ኣብ ዝተፈላለይ ነገራት ውሳኔ ንህብ ኢና።ኣብዞም ኩሎም ውሳኔታትና እንውስኖም ወይ ገዛእ ርእስና ባህ ከነብል ወይ ክኣ ንኣምላኽ ባህ ንምባል እዩ።
መብዛሕትኡ ውሳኔታትና ውጺኢት ንቑሕ ወይ ኣፍልጦ ኣይኮነን።እቶም እንገብሮም ውሳኔታት ካብ ክልቴኡ ሓዲኡ እዩ ፥ርእስና ባህ ከነብል ምድላይ፥ወይ ንኣምላኽ ክብሪ ንምሃብ እዩ።እቶም ዘይንፈልጦም ውሳኔታት በቶም እናተረድኣና ብኣፍልጦ እንገብሮም ውሳኔታት እዮም ዝምእዘኑ።በዚ ድማ ድምር ኩሉ ውሳኔታትና መንፈሳዊያን ዲያን ስጋዊያን ሙኳና ይምእዘንን ይፍለጥን።
ቅሩብ እስከ ንሕሰብ ካብቲ ዝተለወጥናሉ ግዜ ኣትሒዙ ሚልዮናት ውሳኔታት ጌርና ኣሎና።እቶም ብምርዳእን ቀጻልን ገዛእ ፍቕዶም ክኽሕዱ ዝወሰኑ በዚውን ምዓልታዊ ፍቓድ ኣምላክ ዝገብሩ ሰባት እዚኣቶም መንፈሳዊያን ኮይኖም ኣሎዉ፥በቲ ሓደ ወገን ድማ ብሕድገት ሓጥያት ብምርካብ ዝተሓጎሱ ግናኸ መብዛሕተኡ ግዜ ገዛእ ርእሶም ባህ ከብሉ ዝመረጹ ስጋዊያን ኮይኖም ተሪፎም ኣሎዉ።ነፍሲ ወከፍ ሰብ ኣብ መወዳእታ ዝምእዞኖን ዝኾኖን ብውሳኔታቱ እዩ።
ሎሚ ትሑትን ፥ቅዱሱን፥ፈቃርን ዝኾንካዮ ኣብ ዝሓለፈ ዓመታት ብኣሻሓት ዝኾነ ውሳኔታት ኣብ ዝተፈላለይ ኩነታት ሂወትካ ክትውስን ዝመረጽካዩ እዩ።መንፈሳውነት ምስ ኣምላኽ ዝተራኸብካዮ ናይ ሓደ ኩነት ኣይኮነን።እንታይድኣ ውጺኢት፥ ርእስኻ ክትክሕድ ብምምራጽካን፥ፍቕድ ኣምላኽ ኣብ ሂወትካ ብምግባርካ ምዓልቲ ብምዓልቲ፥ሰሙን ድሕሪ ሰሙን ፥ዓመት ድሕሪ ዓመትን እዩ።
10:00 p.m 13|6|06
ትርጉም ዮሴፍ ደስታ
Translated by Yosief Desta