Apologetics

ቲ‘ገንሸል ዶ ቲ‘ምራኽ፧

#1ይ #ነገስት 12 (1 Kings)
28፤ እቲ #ንጉስ ድማ #መኺሩ #ኽልተ #ምራኹት ወርቂ ገበረ፡ # #እስራኤል፡ ናብ #የሩሳሌም#ምድያብ #ይበዝሓኩም እዩ፡ እቶም ካብ ምድሪ ግብጺ #ዘደየቡኻ #ኣማልኽትኻ #እነዉልካ፡ ድማ #በሎም
++++++++++++++++++++++++++++++++++++

እዚ ኣርእስቲ ኣብ መንጎ ጎይታና የሱስ ክርስቶስን ማሕበሩን ዘሎ ናይ መሪሕነት ኣምልኾ ምእዛዝ ትምህርትን ኣገልግሎትን ዘተኮረ ኮይኑ። ከም ኣብ ማሕበር እስራኤል ብ ኣሮን ዝነበረ ብድሆን ብ ሙሴ ዝነበረ ምቕናዕን ኣብዚ ዘመን እውን ኣብታ ማሕበር ዘሎ ብድሆን ምቕናዕን ንምጉላሕ እዩ።

ሰብ፣ ኣብ ጉዕዞ ህይወቱ ክመላለስ ከሎ፣ ካብኡ ዝዓቢ ኣካል፣ ዋሕስ ክኾኖ ናይ ምድላይ ነገር ኣለዎ እዩ። በዚ ድማ፣ ገለ ኣብቲ ሓቂ ህያው ኣምላኽ ተስፋ ዚገብር ኣሎ፣ ብኣንጻሩ ድማ፣ ነቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ እንተስ ብምርጫ፡ እንተስ ብዘይምፍላጥ ሓዲጉ፣ ነቲ ብድርሰት ኣጋንንታዊ ዓለም ኣብ ርድኢታት ሰባት ወይ ሓሳባት ተጽዕኖ ፈጢሩ፣ ናብ ሓደ መላኺ ፡ቅርጽን፡ ባህርን፡ ምስልን፡ ነገራትን፡ ሓይሊ ኩነትን፡ ርእሱ ኣግዚኡ፣ ኣምላኸይ ብዚብል ስያሜ ንምምእዛዝ ርእሱ ዝህብ እዉን ቁጽሪ የብሉን።

በዚ ድማ፣ ኣብ ዝተፈላለየ ቤተ እምነታት ይኹን ሃይማኖታት፡ “ከምዚ ዝገበርካለይ” “ካብ ከምዚ ዘውጻእካኒ ኣምላኸይ” ፡
እንዳበለ ንዘይተፈልጡ ምራኻት ዝሰግድን ዘምልኽን፡ ከምኡ`ውን ንዕረፍቲ ነብሱ እንተኾኖ ኢሉ ናብ ብናይ ነፍሲ ሓይሊ ተደሪኹ ብዝፈልሶሞም ሓይሊ ትውከሎቶም ዝገበሮም ማእለያ የብሉን። እዚ ድማ ብርግጽ ኣምልኾ ጣኦት ወይድማ ጋሻ ዝኾነ ኣምልኾ እዩ። በዚ ምኽንያት እምብኣር ኣስዒብና እንታይነት ምንባር ምስ ህያው ኣምላኽን ምስ ጣኦትን ኣነጻጺርና ክንርኢ ኢና።

#ጣኦት #እንታይ #እዩ
===========
*ጣኦት ዘይምእዛዝ እዩ
*ጣኦት ባዕልኻ እትኣልሞ እሞ ክመልከካ ድማ እትፈቕደሉ ስዩም ወይ ጋሻ ኣምላኽ እዩ።
መጽሓፍ ቅዱስና ብዛዕባ ጣኦታት ብዙሕ ይዛረብ እዩ። ንሎሚ ፈልየ ክዛረበሉ ደልየ ዘለኹ ግና፣ ካብ መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ዘጽኣት ዘሎ ሓሳብ ኮይኑ፣ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ንእስራኤል ካብ ምድሪ ግብጺ ከውጻኦም ከሎ፣ ነቲ ጽላሎት ናይቲ ድሒሩ ዚግለጽን ናይ ምድሓኖም ሓይልን ትውክልትን ዝኾነ ገንሸል ብምቕራብ ፡ፋሲካ ብዚብል ስያሜ ነቲ ናይ ሓርነት ቦኽሪ ስራሕ ክጅምሮ እንከሎ ንርኢ።

ቅድሚ እቲ ስራሕ ምትንታነይ፣ “ፋሲካ” ማለት እንታይ ማለት እዩ፧ ፋሲካ ካብ #Pesach ዚብል ናይ እብራይስጥ ቃል ዝመንጨወ ኮይኑ፣ ከም ዘሊልካ ብላዕሊ ምሕላፍ (skyping jump) ንምባል ኮይኑ፣ ኣብ ሓደ ኣበሃህላ ክጥመር ከሎ ድማ #Passover ዚብል ትርጉም ይሕዝ። እዚ ኣገልግሎት ኣብ ዘጻኣት 12፥1-13 ዘሎ ሓሳብ እዩ። ኣብኡ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ህዝቢ ምእንቲ ብመስዋእቲ እቲ ገንሸል ክድሕኑን፡ ደሙ ድማ ኣብ ልዳቶም ክለኽይዎ እሞ፣ እቲ መዓት ዘዉርድ መልኣኽ ሞት፣ ነቲ በቲ ደም እቲ ገንሸል ዝተለኽየ ልዳት መዓጾ ዘሊልዎ ክሓልፍ ዝተኣዘዘ ትእዛዝ እዩ።

እቲ ካልኣይ ኣገልግሎቱ ድማ፣ ንጽንዓት ግብጺ ብምውቋዕ ቀዳማይ ደረጃ ናይ ሓርነት ጉዕዞ ምልክት እዩ። እስራኤል በቲ ንምድሓኖም ዝተዋህበ ገንሸል ሓራ ኮይኖም፣ ካብ ግብጺ ወጺኦም ኣብ ከረን ሲና ምስ በጽሑ፡ እቲ ነቲ ናይ ዘጽኣት ኣገልግሎት ክሰብኽን ክመርሕን ብኣምላኽ ዝተሓረየ ሙሴ፣ ኣብ ከረን ሲና ምኽርን ትእዛዝን ኣምላኽ ክቕበል ናብ እግዚኣብሄር ምስ ዝደየበ ዶንጎየ። ሙሴ እቲ ሰብኣይ እንታይ ከም ዝረኸቦ ኣይንፈልጥን ኢና ፡ስለዚ ቀቅድሜና ዚኸዱ ኣማልኽቲ ግብረልና ብምባል ናብ ኣሮን ጠርዑ። ኣሮን ድማ ምስቲ ጣኦት ዝደለየ ልቦም ሓቢሩ፣ ነቲ ካብ ግብጺ ዚገፈፍዎ ወርቅን ቀላብትን ወሲዱ፣ ሓደ ምስሊ ምራኽ ከም ዚገበረሎም መጽሓፍ ቅዱስና ኣብ #ዘጻ32፥1-35 ንረኽቦ። ኣብዚ እንታይ ንምሃር፧ እቲ ፍልልይ ገንሸልን ምራኽንከ እንታይ እዩ? ኣስዒብና እምብኣር ኣብ መንጐ ገንሸልን ምራኽን ዘሎ ፍልልይ ክንድህስሶ ኢና:–

#ፍልልይ #ገንሸልን #ምራኽን
===============
ገንሸል ንመስዋእቲ ምእንቲ ክኸዉን ምእዛዝ፡ ኣፉ ዘይከፍት ሕያውነትን ዓቕልን ዘለዎ እዩ። ገንሸል፣ ብምሳሌ የሱስ ብኣምላኽ ዝተሓርየ እዩ። ብዝበለጸ ኣብ ኢሳ 53፥7 ወ.ዮሃ 1፥29 ራእ5፥9-10 ካልእን ብዙሕ ክንዉከስ ንኽእል ኢና።

ምራኽ፣ ሕንቁቕን ካብ ኣዲኡ ክፍለ ዘይደሊ ኣሸጋሪ እዩ። ኣብ ታሪኽ መጽሓፍ ቅዱስና ድማ፣ ከም ምሳሌ ጣኦት እዩ። ማለት ናይ ጥንቆላን ዘይምእዛዝን ፡ ከምኡ እውን መስሓቲ ሓወልቲ ኮይኑ ንረኽቦ። እዚ ብምኽሪ እቲ ዘይእዘዝ ልቢ ደቂ እስራኤል ዝተደርሰ ኮይኑ፡ ንዘመናት ጸረ እቲ ምኽሪ ኣምላኽ ዝኸደ እዩ ምስሊ እዩ። እዚ ምስሊ ምራኽ በቲ ንኹሉ ስራሕ ምድሓን፣ጉስነትን መሪሕነትን ኣምላኽ ዝርስዕ ኽፉእ ልቢ ዝደረሶ ምስሊ እዮ።
ካብዚ ምስራሕ እዚ ምስሊ ዝተላዕለ፣ ደቂ እስራኤል ኣብዞም ዝስዕቡ ጌጋታት ወደቑ: –

1⃣ ነቲ ኣውጺኡ ዝመርሖም ገንሸል ረስዑ። #ዘጻ32፥1 ምስ #1ይቆረ 10፥1-5 ይነበብ።

2⃣ ብኣፎምን ግብሮምን ክሒዶሞ፣ ነቲ ገንሸል ገዲፎም ነቲ ምራኽ ካብ ግብጺ ዘውጻእክሙና ኣማልኽቲ ብምባል ስሒቶም (ዘጻ 32፥4)። ኣብዚ ነስተውዕል፣ “እዚኣቶም” እዮም ካብ ምድሪ ግብጺ ዘውጽኡኻ ብምባል፣ ነቲ ሓደ ዝነበረ ከም ዘብዝሕዎ ንርእይ።
እምብኣር ካብዚ ዝጀመረ ኣገልግሎት እቶም ምራኹት ደው ከይበለ ቀጺሉ (#1ይነገ 12፥28 ከምኡ እውን #2ይነገ 17፥ ተመልከት)።

ኣብ ካልኣይ ክፋል ንርእዮም
1 ስራሕ እቲ ገንሸል
2 መሪሕነት እቲ ገንሸል
3 እቲ ናይ ብሉይ ኪዳን ምራኽ ሎሚ ከመይ ይሰርሕ
4 መጽሓፍ ህይወት ናይ እቲ ገንሸል

ናብ 2ይ ክፋል ይቕጽል ……….

ሓውኹም ዓወት ታደሰ

Comment here