Reviews

#ዘረባ #ምስጢር እቲ #ሕቡእ #ጥበብ ክግለጽ ከሎ

#ኣርእስቲ  #ነታ #ተኽሊ #ክስዕር #ኣብታ #ተኽሊ #ዝተሰቕለ #ተኽሊ

ጎይታ የሱስ፡ ነታ ብሓይሊ ሕጊ ገይራ ሞት ንዘድመቐት ሕንጨይቲ፡ ንሕጊ ብዝፈጸሞ ሓይሊ ምእዛዝ ገይሩ ብምስላ ኣብ ዕንጨይቲ ብምንጥልጣል ካብ ስፍርኣ ኣርሒቕዋ እዩ። እዛ ተኽሊ ወይ ዕንጨይቲ እምብኣር እንታይ እያ?

እዛ ዕንጨይቲ ካብታ #ክፉእን #ጽቡቕን እተፍልጥ ኦም ኮይና፡ ኣይትብልዑ ዝብል #ትእዛዝ #ዘጉልሔትን፡ ኣዳም ካብኣ ብምብልዑ ድማ ሞት ዘስዓበት ኮይና እያ ጸኒሓ።

በዚ ምኽንያት ድማ፣ ናብ #ሞት #ዘብጽሕ ዝገበረ ኩሉ፣ በቲ ቀዳማይ ትእዛዝ “ካብኣ ምስ ትበልዕ ሞት ክትመውት ኢኻ” ዝተባህለ ምእንቲ ክፍጸም፡ ብምስላ ኣብኣ ክስቀል ድማ ትእዛዝ ተውሂቡ እዩ። ነዚ ዝብሃል ዘሎ ሓሳብ ኣጒሊሑ ዘርኢ ጥቕሲ ንርአ:–

? ዘፍጥረት 2
16፤ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ድማ ንሰብ፡ ካብ ኵሉ ኦም ገነት ከም ዝደሌኻ ብላዕ፡ 17፤ ካብታ ጽቡቕን ክፉእን እተፍልጥ ኦም ግና፡ ካብኣ ምስ እትበልዕ መዓልትስ ሞት ክትመውት ኢኻ እሞ፡ ካብኣ ኣይትብላዕ፡ ኢሉ አዘዞ።

ካብዚ ዝተላዕለ እምብኣር፣ ኣዳምን ሄዋንን ነዚ ኣምላኽ ዝሃቦም ትእዛዝ ጥሒሶም ካብኣ ምስ በልዑ፣ ከም ሳዕቤኑ:–

1⃣ ጥራዮም ምዃኖም ተፈለጦም
2⃣ ካብ ገጽ ኣምላኽ ተሰጒጊጎም
3⃣ መርገም ስዒብዎም
4⃣ ምድሪ ናይ እሾኽን ረሃጽን ጻዕሪ ኰነት
5⃣ ሞት ኮይኑ ዕጻኦም

ድሒሩ`ውን ድሕሪ እዚ ዓይነት ዉድቐት እቲ ቐዳማይ ኣዳም፣ ሕጊ ዝሰዓረ ዘበለ ኩሉ ድማ ከም ምልክት ኣብ ኦም ክስቐል ብግዲ ማለት ካልእ ሕጊ ኮነ። በዚ ሕግዚ ድማ፣ ብኸመይ ዝበለ ዓይነት ሞት ክመዉት ከምዝግብኦ እቲ ትእዛዝ ከምዚ ዝብል ነበረ:–

? ዘዳ 21
22፤ ሰብ ናብ ሞት ዜብጽሕ ኣበሳ እንተ ገበረ እሞ ኣሕሊፍካ ንሞት እንተ ተዋህበ፡ ኣብ ዕጨይቲ ድማ እንተ ሰቐልካዮ፡ 23፤ ነቲ ሬሳኡ ሽዑ መዓልቲ ደኣ ቕበሮ እምበር፡ ኣብ ዕጨይቲ ኣይሕደር። እቲ እተሰቕለ ብእግዚኣብሄር እተረግመ እዩ እሞ፡ ነታ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ንርስቲ ዚህበካ ምድሪ ኣይተርክሳ።

እቲ ናብ ሞት ዘብጽሕ ኣበሳ (ምትሕልላፍ) እዚ ካብ ኮነ ፍርዱ፡ ሓይሉ ድማ ኣብቲ ሕጊ ዘይምፍጻም ዘስዓቦ መርገም እዩ። ብዝበለጸ ነዚ ቀጺሉ ዘሎ ጥቕሲ ንባብ ተመልከት:–

? ዘዳ 27:26
ንቓላት እዚ ሕጊ እዚ ኺገብሮ ዘየጽንዖ ርጉም ይኹን። ኵሉ ህዝቢ ድማ፡ ኣሜን፡ ይበል።

እቲ ህዝቢ በቲ ብሓጢኣት ዝደኸመ ስጋኡ ነቲ ዝተዋህበ ሕጊ ክፍጽሞ ዘይክእል ክነሱ፣ ነቲ ሕጊ ብዘይምፍጻም ዝመጽእ መርገም ኣሜን ክብል ተቐቢልዎ። ብኻልእ ኣዘራርባ፣ ኣብ ገዛእ ርእሱ ንመርገም ኣሜን ኢሉ ተቐቢልዎ። እሞ ከመይ ገይሩ ድኣሉ ከምልጥ ዝኽእል፧ እቲ መልሲ ብክርስቶስ ጥራይ`ዩ ከምልጥ ዝኽእል። ስለዚ፣ እወ ካብቲ ኣብ ገዛእ ርእስና “ነቲ ሕጊ ዘይሕሉ ዘበለ ዝተረግመ ይኹን” ንዝበልናዮ መርገም ብክርስቶስ ገይርና ጥራይ ኢና ሓራ ክንወጽእ ዝኽኣልና። እስኪ ኣብዚ ዝስዕብ ጥቕሲ፣ እቲ ሓራ ዝወጻእናሉ መገዲ ንርኣዮ:–

? ገላ 3
13-14፤ ንሕና ነቲ ተስፋ መንፈስ ብእምነት ክንቅበሎ፡ እቲ በረኸት ኣብርሃምውን ብየሱስ ክርስቶስ ነህዛብ ምእንቲ ኪኸውንሲ፥ ኣብ ዕጸይቲ ዚስቀል ዘበለ ርጉም እዩ፡ ተጽሒፉ አሎ እሞ፡ ክርስቶስ ምእንታና መርገም ኰይኑ፡ ካብ መርገም ሕጊ ተሻየጠና።

እወ ብምኽንያት እቲ ቐዳማይ ኣዳም ዘይተኣዘዞ ትእዛዝ ኣብ ትሕቲ መርገም ተዓጸና። ብምኽንያት እቲ ዳሕረዋይ ኣዳም ዝተኣዘዞ ምእዛዝ ድማ ካብቲ ሒዙና ዝነበረ መርገም ሕጊ ሓራ ወጻእና።

ምንጽጻር ኣብቶም ክልተ ኣዳማት
=====================
እቲ ኣዳም ዕርቃኑ ዝወጾ፣ ክርስቶስ ኣብ መስቀል ዕርቃኑ ወጺእሉ ዘፍ 3፥11።

እቲ ንኣዳም እሾዅን ተዀርባን ተብቁለልካ፡ ብቝሊ መሮር ድማ ኽትበልዕ ኢኻ ዝተባህለሉ፣ ክርስቶስ ነቲ ኣኽሊል እሾኽ ቶኒጉ ወዲይዎ ዘፍ 3፥18 ማቴ 27፥29 ይነበብ።

እቲ ኣዳም ክርሃጾን ኽጸዓሮን ዝተባህለሉ፣ ክርስቶስ ጻዕረ ሞት ምስሓዞ ክሳብ ደም ዝርህጽ ኮይኑ ዘፍ 3፥17-19 ምስ ሉቃ 22፥44 ይነበብ።

ኣዳም ንሞት ወፍዩና፣ ክርስቶስ ግና ኣብ ክንዳና ሞትና ሞይቱ።

? እብ 2:9
ነቲ ብምኽንያት ስቅያት ሞቱ ኻብ መላእኽቲ ገለ ቕሩብ እተታሕተ የሱስ ግና፡ ብጸጋ ኣምላኽ ኣብ ክንዲ ዅሉ ሰብ ሞት ምእንቲ ኺጥዕምሲ፡ ኣኽሊል ክብርን ግርማን ተኸሊሉ ንርእዮ አሎና።

? 2ይ ቆረ 5:15
ድሕሪ ሕጂ እቶም ዘለዉ ነቲ ምእንትኦም ዝሞተን ዝተንስኤን እምበር፡ ንርእሶም ምእንቲ ኸይነብሩ፡ ንሱ ኣብ ክንዲ ዅላቶም ሞተ።

፡ ኣብታ ገረብ ተሰቒሉ ንሓይላ ዘሕመቐ፣ ከምኡ`ውን ነቲ ናብታ ገረብ ዝወስድ ዝነበረ መገዲ ብደሙ ገይሩ ካብ ማእከል (መገዲ) ምስ ኣርሓቖ፣ ኣብቲ ምንጪ ህይወት፡ ኣብ ክርስቶስ ባዕሉ ተተኺልና ኢና።
ቆሎሴ 2 (Colossians)
14፤ ነቲ ብሕጋጋት ዚቃወመናን ዚበኣሰናን ዝነበረ ብኢድ እተጻሕፈ ጽሕፈት ዕዳ ደምሲሱ ኸኣ፡ ንእኡ ኣብ መስቀል ሸንኪሩ ኻብ ማእከል ኣርሐቖ።

#ንእግረ #መገድይ ከም #ምሳሌ ክጥቀመላ ዝደሊ ሓንቲ #መዝሙር ኣላ ከምዚ ድማ ትብል “፡#ባንተ #ኣጠገብ#ተተክያለው #ስለዚህ #ህይወቴ ሁሌ #ለምለም ነው” ትብል።
#ትርጉማ ድማ፡ “ኣብ #ጥቓኻ #ተተኺለ እየ ስልዚ #ህይወተይ ኩሉ እዋን #ለምለም እዩ” ትብል እያ።
እንተኾነ ኣብ ጥቓኡ ዘይኮነስ ኣብኡ ኢና ተተኺልና
ክርስቶስ እቲ ተኽሊ ኣምላኽ እዩ፣ ንሕና ድማ ኣብኡ ዝተተኸልና ጨናፍሩ ኢና እሞ ኣብኡ ንጽናዕ። ብክርስቶስ የሱስ፣ ኣቦ ኣብ ክርስቶስ ዝተኸለና ተኽሊ ከም ሙዃንና መጠን፣ ህይወት ካብ ኣምላኽ ተቐቢልና ኢና እሞ፣ ህይወት ድማ ንምስክር ኣሎና። ብርግጽ ንኣና ህይወትና ክርስቶስ እዩ።

ነታ ቐዳመይቲ ኦም ዘርሓቐ ተኽሊ ኣቦ፣ ንሱ የሱስ ክርስቶስ እዩ።

መደምደምታ
========
ስለዚ ፍረ ኦም ህይወት መኣዛ ክርስቶስ እዩ እሞ
ንሕና መኣዛ ፍልጠት ክርስቶስ ከም ምዃና መጠን እቲ ትኹል #ቃል #መስቀል #ነቃልሕ። እቲ ምኽንያት ነታ ዕንጨይቲ ከርሕቕ ኣብ ዕንጨይቲ ብዝተሰቕለ የሱስ ክርስቶስ ስለ ዝተረኸብና።
ምሳሌ 11 (Proverbs)
30፤ #ፍረ #ጻድቕ #ኦም #ህይወት እዩ። #ጥበበኛ ኸኣ #ነፍሳት ይረብሕ።
ሓውኹም ዓወት ታደሰ

Comment here