Wedi Mezmur

Your brother in Chrisrt Robel Netsereab

ዝደየብካሉ መሳልል ኣይትረስዕ!

“ኣበይ ከም ዝነበረ ፈጺሙ ዘይዝክር ሰብ፣
ነቲ ዝደየበሉ መሳልል ዝረስዔ ሰብ እዩ ።” ሮ. ነ

? ዘፍጥረት 40፣23
እቲ ሓለቓ ኣሰለፍቲ ሜስ ግና ንዮሴፍ ረስዖ እምበር፡ ኣይዘከሮን።
ኣሕዋተየ ብክርስቶስ የሱስ ኲሉሳዕ ብዓወት እንመላለስ ህዝቢ ኢና እምበር፣ ኣብዛ ምድሪ ብብዙሕ ዝዓይነቶም ብድሆታት ወይ ሰልፍታት ንሓልፍ ኢና። ኣብ ከምዚ ዝበለ መስርሕ ናይ ህይወት ድማ ፣ ገለ ገለ ሰባት ብልዕሌና ዝሳገሩና፣ ገለ ገለ ድማ ብትሕቴና ኣትዮም ዘሳግሩና እዮም። እቶም ብልዕሌና ዝሳገሩና ዓይነት ሰባት ዘቐንዝዉናን ብዙሕ እዉን ክንበኪ ዝገብሩና እኳ እንተኾኑ፣ ግናኸ ከይተረድኦምን ከይተረድኣናን፣ በታ ዘይቅድ–መዂነታዊት እተፈቐርናያ ፍቕሪ ኣምላኽ፣ ከምቲ ዘለዉዎ ከነፍቕሮምን ክንጾሮምን ምእንቲ፣ ምስ እግዚኣብሄር ክንጣበቅ ይሕግዙና እዮም።

ሎሚ ኣብ ልበይ ዝተደወለኒ ግና፣ ብዛዕባ እቶም ብትሕቴና ኣትዮምን ተሰኪሞምን፣ ናብቲ ሓሳብ ኣምላኽ ንኽንድይብ ኣዝዩ ኣገዳሲ ኣበርክቶ ዝገበሩ ሰብ ዉዕለትና ዝኾኑ ሰባት እዩ። ነዞም ዓይነት ሰባት ረሲዕናዮም ከይንህሉ እፈርሕ ኣሎኹ። እዚኣቶም ዓይነት ሰባት ስድራና፣ ቅዱሳን ኣሕዋትናን ኣገልገልትናን፣ መሳርሕትና፣ ፈተዉትና፣ ኣዕሩኽትን መሓዙትን፣ መምሃራንና..ወዘተ የጠቓልሉ። ናብዚ ደየብናዮን በጺሕናዮን ዘሎና ደረጃ ንምብጻሕ፣ ከይተሓለሉ ኲሉ ዓይነት ዋጋ ዝኸፈሉልና ሰባት እዮም።
ናብዚ ናይ ዮሴፍ ታሪኽ እንተ ተመልኪትና እምብኣር፣ ንንጉስ ግብጺ ዘኾረይዎ እሞ ንሱ ድማ ናብ ቤት ማእሰርቲ ዝዳጎኖም ኣሰላፊ ሜስን ኣሰላፊ እንጌራን ነይሮም። ዮሴፍ ድማ ከም መተኣስርቶም መጠን መዓረ ክንደይ ጽቡቕ ከምዝገበረሎም ኣብ ዘፍጥረት 40 ሰፊሩ ኣሎ። ዮሴፍ ልክዕ ከምኣቶም እሱር እኳ እንተኾነ፣ ግናኸ ብዘይ ዝዉዓሎ ገበን እዩ ተሓይሩ ነይሩ። ሰለዚ ካብኣቶም ንላዕሊ እዩ ምጽንናዕ ዘድልዩ ነይሩ። እንተኾነ ግና፣ ብኣንጻሩ ንሱ እዩ ዘገልግሎምን ዘጸናንዖም ዝነበረ። ኲላሳዕ ገጾም ብምጥማት ጥራይ ንደሃይ ልቦም ይሰምዖ ነይሩ።
ስለዚ ኣብታ ሕልሚ ብምሕላም ዝተጨነቁላ መዓልቲ እኳ ከይተረፈት፣ ገጾም ርእይዩ እዩ “ደሓንዲኹም?” ንምንታይ ገጽኩም ጸሊሙ? ክብል ዝሓተቶም። ሓቁ ድማ እዩ ፣ እታ ነፍሶም ብምኽንያት እቲ ዝሓለምዎ ሕልሚ፣ ብጣዕሚ ነፍሶም ብፍርሒ ጭንቐት ሒዝዋ ስለዝበረ እዮ እቲ ገጾም ጸምልዪ ዝነበረ። ዮሴፍ ናይ ኣምላኽ ሰብ ድማ፣ መጸናንዒ ስለዝኾነ፣ ነቶም ክልተ እሱራት፣ ኣብ ከምዚ ብተስፋ ምቑራጽን ብጭንቐትን ኣብ ዝተወጠርሉ ጊዜ ከምዚ ዝስዕብ ክብሎም ንርእይ:–
? ዘፍጥረት 40፣8
ሕልሚ ሐሊምና እሞ፡ ዚፈትሖ ድማ የልቦን፡ በልዎ። ዮሴፍ ድማ፥ እቲ ምፍታሕ ናይ_እግዚኣብሄርዶ_ኣይኰነን፧ እስኪ ሕልሙኸ ንገሩኒ፡ በሎም።
ከምቲ እግዚኣብሄር ዝገለጸሉ ድማ ትርጉም እቲ ሕልሞም ብምንጋር፣ ብሓቂ ኣገልጊልዎም እዩ። ነቲ ተኣሲሩ ዝነበረ ኣሰላፊ ሜስ ድማ ትርጉም እቲ ዝሓለሞ ሕልሙ ነጊሩ፣ካብ ቤት ማእሰርቲ ንክፍታሕ ድሕሪ ምብሳሩ፣ ዮሴፍ ነቲ ኣሰላፊ ሜስ እንታይ ክብል ተማሕጺንዎ ከምዝነበረ ንርኣይ :–
? ዘፍጥረት 40፣14
ምስ ዚቐንዓካ ድማ ዘክረኒ፡ በጃኻ፡ ምሕረት ግበረለይ፡ ንፈርኦን ከኣ ንገረለይ እሞ ካብዛ ቤት እዚኣ ኣውጽኣኒ።
ኣየ ሰብ ረሳዒ! ኣየ ሰብ ዝደየበሉ ኣስካላ ረሳዒ! ወረ ገሊኡ ሰብሲ ነቲ ዝደየበሉ ኣስካላ ዝሰብር ኣሎ እዩ! እሞ እዚ ዮሴፍ ዘገልግሎ እሞ ሕልሙ ፈቲሑ ድማ ንኽወጽእ ዝገበሮ፣ ልዕሊ ዂሉ ድማ በጃኻ ኣይትረስዓኒ ዝበሎን ኣሰላፊ ሜስ፣ ንዮሴፍ እንታይ ፈድይዎ? ጸሓይ ምስ ረኣየ ንዮሴፍ ንምዝካር ጊዜ ነይርዎዶ? እቲ ቓል ከምዚ ዝስዕብ ይብል:–
? ዘፍጥረት 40፣23
እቲ ሓለቓ ኣሰለፍቲ ሜስ ግና ንዮሴፍ ረስዖ እምበር፡ ኣይዘከሮን።
ሽሕ ሳዕ ሰብ እንተረስዔ እኳ፣ ዘይርስዕ ዘይገፍዕ ጎይታ ግና፣ ናይቶም ብሰብ ዝተረስዑ ባሮቱ፣ ከም ናይ ማርዶካይ መጽሓፍቶም ብገለ ሰብ ምእንቲ ክግንጸል ፣ ድቓስ ዝኸልኦምን ሕልሚ ዘሕልሞም ሰባት ኣለዉዎ እዮም። ማለት እቶም ክዝከሩ ዘለዎም ምእንቲ ክዝከሩ፣ ሕልሚ ንምሕላም ጥራይ ዘዳለዎም ኣለዉዎ እዮም። ስለዚ እቲ ኣሰላፊ ሜስ ንክልተ_ዓመት ዝኣክል እኳ ንዮሴፍ እንተረስዖ፣ እግዚኣብሄር ግና ብልዕልናኡ ኣብ ዝፋኑ ነይሩ። ነቲ ንጉስ ድማ፣ ነቲ ብሰብ እተረስዔ ዮሴፍ ዝዝከረሉ ሕልሚ የሕልሞ ነይሩ። ብዝበለጸ እቲ ጽሑፍ ከምዚ ዝስዕብ ይብል:–
? ዘፍጥረት 41፣1
ኰነ ድማ፡ ድሕሪ_ኽልተ_ዓመት ፈርኦን ሐለመ፡ እንሆ ኸኣ፡ ኣብ ገምገም ርባ ደዉ ኢሉ ነበረ። …… 8፤ ኰነ ድማ፡ ምስ ወግሔ፡ መንፈሱ_ኣዕሎበጠ፡ ሽዑ ልኢኹ ንዅሎም ጠቢባን ግብጽን ንዅሎም ፈላጣትን ጸውዖም። ፈርኦን ከኣ ሕልሙ ነገሮም። ንፈርኦን_ዚፈትሓሉ_ግና_ኣይነበረን። 9፤ ሽዑ እቲ ሓለቓ ኣሰለፍቲ ሜስ ንፈርኦን ከምዚ ኢሉ ተዛረቦ፡ ኣነ ሎሚ ሓጢኣተይ_ዘከርኩ።
ብኸምዚ መንገዲ ጎይታ ጣልቓ ብምእታው፣ ዮሴፍ ክዝከር፣ ክድለይን ክፍታሕን ገበረ። ጎይታ ንዮሴፍ ዘከረ፣ እቲ ኣሰላፊ ሜስ ድማ ንሓጢኣቱ ዘከረ!
ዝኸበርካ ሓወይ፣ ዝኸበርኪ ሓፍተይ፣ ሎሚ ካብ ሓጢኣት እዚ ኣሰላፊ ሜስ ነጻ ዲኻ? ዝደየብካሉ ኣስካላ ረሲዕካዶ ትህሉ? ዝደየብካሉ ኣስካላ ዝሰበርካ ሰብዶ ትኸዉን? ነቶም ኣባኻ ብዙሕ ዝደኸሙን ዝጸዓሩን ጸሓይ ምስ ረኣኻዶ ረሲዕኻዮም ትኸዉን? ነቶም ብምኽንያት ወንጌል ኣብ መቑሕ ዘለዉ ድሮ በእዳዉካን ብብርክኻንዶ ረሲዕካዮም ትኸዉን? ሕጂ ልብኻ ንመገድኻ ሕሰብ!!! ኣንታ ተረሲዔ ኢልካ እትሓስብን እትበክይን ድማ፣ ብልብኻ ነቲ ዘይርስዓካን ዘይገፍዓካን እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ዘክሮ! ንሱ እዩ ዓስብኻ! ንሱ እዩ ዘካሪኻ! ኣብኡ ተወከል!!!
በዚ ኣጋጣሚ፣ ነቶም ብዂሉ ኣወንታዊ ነገር፣ ኣብ ህይወተይ ዓቢ ጽልዋ ዝሓደግኩሙለይ፣ ብብዙሕ መገድታት ዝደገፍኩሙኒ፣ ዘገልገልኩሙኒ…ኣሕዋተይ፣ ሕጂ ንድሕሪት ተመሊሰ፣ ኣዝየ ካብ ልበይ የመስግነኩም ኣሎኹ። ብዛዕባ ኲሉ ሰናይኩም፣ እግዚኣብሄር ኣምላኸይ ንጽቡቕ ይሕሰበልኩም!!!
ኣምላኸይ ነቶም ብሰብ ዝተረስዑ ዝኽሕሶም ካሕሳ
================================
? ዘፍጥረት 41፣14
14፤ ሽዑ ፈርኦን ልኢኹ ንዮሴፍ ጸውዖ። ቀልጢፎም ድማ ካብ ቤት_ማእሰርቲ_ኣውጽእዎ። ንሱ ኸኣ ተላጽዩ ኽዳኑ_ለዊጡ ኣብ_ፈርኦን ኣተወ።
ዘፍጥረት 41 (Genesis)
25፤ ዮሴፍ ድማ ንፈርኦን በሎ፡ ሕልሚ ፈርኦን ሓደ እዩ። ኣምላኽ ኪገብሮ ዘለዎ ንፈርኦን ኣግሀደሉ።
ዘፍጥረት 41 (Genesis)
38፤ ፈርኦን ከኣ ንገላውኡ፡ ከምዚ_ዝበለ_መንፈስ_ኣምላኽ ዘለዎ ሰብኣይ ዶኾን ንረክብ፧ በሎም።
39፤ ፈርኦን ድማ ንዮሴፍ፡ ኣምላኽ እዚ ኹሉ ንኣኻ ኻብ ኣፍለጠካ፡ ከማኻ_ዝበለ_ኣስተውዓልን_ፈላጥንየልቦን።
40፤ ንስኻ ኣብ ልዕሊ_ቤተይ_ኩን፡ ኵሉ_ህዝበይ ንቓልካ ይተኣዘዝ፡ ኣነ ብዝፋነይ ጥራይ እየ ኻባኻ ዝዐቢ፡ በሎ።
ኣሜን ሃሌሉያ!
…………………
ዮሴፍ ሓወይ! ኣብ ቕድሚ ንጉስ እትዝከረሉን እትዓብየሉን ጊዜ መጺኡልካ ኣሎ። ሕጂ እቶም ናብ ጉድጓድ እኳ ከምዝደርበዪኻ ዝረስዑኻ ኣሕዋትካ፣ ካባኻ ገለ ዝብላዕ ደልዮም ይመጹኻ ኣለዉ እሞ፣ ብምሕረት ልቢ ተቐበሎም።
ካብ ብልቡ ዘፍቕረኩም ሓዉኹም
ሮቤል ነጸረኣብ

Messaage

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *