
ትምህርቲ ስላሴ ኣብ እምነት ክርስትናና “ምስጥረ ስላሴ” ተብሂሉ ምጽዋዑ ምኽንያት ኣለዎ። እቲ ምኽንያት ድማ ነዚ ዓሚቕ ምህሮ ስላሴ፣ ኣእሞሮ ሰብ ዛጊት ከቑሮ ዘይምኽኣሉ እዩ። እዚ ሚስጢር ምዃኑ ድማ ብሓቂ ከሐጉሰና እዩ ዝግባእ። ምኽንያቱ ነቲ እነምልኾ ኣምላኽ፥ ኣእሞሮና ክበጽሖ ዘይኽእል ዕቤትን ግርማን ስለዘለዎ እዩ።ሃሌሉያ!
እዚ ሰረተ እምነት ወይድማ ነገረ ስነ~መሎኮተ ኣምላኽ ተብሂሉ ዝፍለጥ ምህሮ ስላሴ፣ ካብ ዝኾኑ ካልኦት ሰረተ እምነት ክርስትናና እቲ ኣዝዩ ዝኸበደ እዩ እንተበልኩ ምግናን ኣይኮነን። ብዛዕባ ስላሴ ኣብ ዉሽጢ መንፈስና ነቕ ዘይብል ርትዒ እንዳሃለወና፥ ብቓልና ንሰባት ንምርዳእ ግና ሕርብት ክብለና እዩ ዝርኤይ። ካብዚ ዝተላዕለ ሰባት ነዚ ሓቂ ንኽገልጹ ዘይጥቐሙሎም ኣብነታት የለዉን። ግናኸ እቶም ዝጥቐሱ ኣብነታት ንኣእምሮ ሰብ ከም ፍልጠት ክኸንዎም እምበር፥ ነቲ ሚስጥረ ስላሴ ፈጺሙ ገሊጹ ዝዉድኦ ኣብነት የልቦን ክብል እንተደፈርኩ ኣይኽፍኣለይን እዩ ። እዚ ማለት ግና ስላሴ ዝብሃል የልቦን ማለት ኣይኮነን። ወይ እዉን እቲ ነገር ንምግላጽ ብርትዕ ዝበለ ሙዃኑ፥ነቲ ህልዉና ስላሴነት ኣምላኽ ፈጺሙ ኣይቕይሮን እዩ። ስም እግዚኣብሄር ዝተባረኸ እዩ!
ገለ ሰባት “ስላሴ” ዝብል ቃል ወይ ስያሜ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ስለዘየለስላሴ” ዝብሃል ፍልስፍና ናይ ሰብ እዩ ይብሉ። እሞ ስላሴ ዝብል ቓል ብዘይ ምህላዉስ ነቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስና ዘሎ ሓቅነትን ህልዉናን ስላሴ የደብዝዞ ድዩ? ያእ ኣይፋሉን! ኣብ መጽሓፍ ኣስቴር እዉን እኮ “ኣምላኽ ወይ እግዚኣብሄር” ዝብል ቃል ፈጺምና ኣይንረክብን ኢና። ግናኸ መጽሓፍ ኣስቴር ግና ሓደ ክፋል ናይ መጽሓፍ ቅዱስና እዩ። ብተወሳኺ፥ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስና፥ ብዛዕባ ሰይጣን ይኹን ሰይጣን በዓሉ ዝበሎን ዝገበሮን እኮ ብጣዕሚ ብዙሕ ተጻሒፉልና ኣሎ እዩ። እሞ ካብዚ ተበጊስና ንመጽሓፍ ቅዱስ ናይ ኣምላኽ ኣይኮነን ክንብል ንኽእል ዲና? ያእ ኣይፋልናን። ስለዚ ኣብ ከምዚ ሕጂ ዘለናዮ ክፋእ ዘመን፣ መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ “ስላሴ” እንታይ ይብል ኢልና ክንድህስስ ይግብኣና ኢና።
ሰረት እምነት ኣምላኽ
=============
እዚ ሰረተ እምነት እግዚኣብሄር ኣምላኽ፥ ንሱ ኣምላኽ ሓደ ኣምላኽ ጥራይ ሙዃኑ ይምህር። እዚ ሓደ ኣምላኽ ድማ ሰለስተ ትስብእቲ ኣለዎ ይብል እቲ ቅዱስ ጽሑፍ። ማለት እግዚኣብሄር ኣቦ፥ እግዚኣብሄር ወልድ፥ እግዚኣብሄር መንፈስ ቅዱስ ተብሂሎም ይፍለጡ። ነፍሲ ወከፎም ድማብስብእና፥ ብግብርን ብስምን ዝተፈላለዩ ክነሶም፥ ግናኸ ሓደ ዝኾነ፣ ነንሓድሕዱ ዝተወሃሃደ፥ ምሉእ፥ መዓረን ዘልኣለማዊን ዝኾነ ሓደ ዓይነትመሎኮት፥ ስልጣን ባርህይን ፍቓድን ኣለዎም። ነንሓድሕዶም ኣዝዩም ሓደ እዮም!
ኣብ ስላሴ ዘሎ ሕድሕዳዊ ርክብ ወይ ዝምድና
==============================
ኣቐዲምና “ስላሴ” ዝብሃል ቃል ኣብ መጽሓፍ ቅዱስና ቃል ብቃሉ የልቦን ኢልና ኣሎና። እዚ ማለት ድማ ነቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስና ዘሎ ኽዉንነት “ስላሴ” ፈጺሙ ኣይኽልክሎን እዩ ክንብል ደፊርና ኣሎና። እምብኣር ሕጂ ካብ ብሉይ ኪዳን ጀሚርና ክሳዕ ሓድሽ ኪዳን ብዛዕባ ስላሴ ዘመላኽቱልና ጥቅስታትን ዓዉደ ንባባትን ክንድህስስ ኢና። ብዙሓት ሰባት ካብ ዘዳግም 6፡4 “ሓደ ንሱ በይኑ/ኤካድ ኣምላኽ” እዩ ዝብል መሰረት ብምግባር እግዚኣብሄር ኣምላኽ ንሱ በይኑ ሓደ ሙዃኑ ይእመኑ እዮም። ነዚ ዘራጉዱልና ካልኦት ጥቅስታት እዉን ምዉካስ ይክኣል እዩ።
እዚ ሓደ ማለት echad/ኤካድ ዝብል ናይ ብእብራይስጥ ቃል ግና ፍጹም ሓድነት ወይ ጥምረት እንተዘይኮይኑ ንቑጽሪ ከም ዘይመልክት ክንርዳእ ይግባእ። ምኽንያቱ እዚ echad/ኤኻድ ዝብል ቃል ብኸምኡ መዛርዑ ኣብ ብዙሓት ክፍሊ መጽሓፍ ቅዱስና ንሓድነት ወይ ጥምረት ኣመልኪቱ ሰፊሩ ንረክቦ ኢና። ንኣብነት ኣብዞም ዝስዕቡ ጥቅስታት ምዉካስ ይክኣል እዩ (ኢሰ 43:10-11; 44:8; 1ጢሞ 1:17; 2:5; ያእ 2:19)።
ብዙሕነት ስብእና ኣምላኽ ዝገልጹ ክፍልታት ብሉይ ኪዳን
=====================================
ኣብ መሎኮትነት ኣምላኽ ብዙሑነት ስብእና ከምዘሎ ኣብ ዝተፈላልዩ ጥቅስታት ወይ ዓዉደ ንባባት ብሉይ ኪዳን የማላኽቱና እዮም። እግዚኣብሄር በዓሉ ክዛረብ እንከሎ እዉን ንርእሱ ብንጽል ዘይኮነ ኣባዚሑ ብብዙሕነት ክዛረብ ንርእዮ። እዚ ሓሳብ ኣብዞም ዝስዕቡ ጥቅስታት ንርኤ፦ ዘፍ 1:26 ከምኡዉን ዘፍ 3:22; 11:7; ኢሰ 6:8።
ብተወሳኺዉን ኣብ ብዙሓት ክፍሊ ጽሑፍት ብሉይ ኪዳን፥ መልኣኽ እግዚኣብሄር ዝብል ቃል፣ ንሓደ ፍሉይ ትስብእቲ ዘለዎ ኣካል ስላሴ የመላኽት ሙዃኑ እዉን ንእግረ መገድና ከነስተብህል ይግባእ እዩ። ማለት እዚ “መልኣኽ እግዚኣብሄር” ዝብል ቃል ንሓደ ፍሉይ ናቱ ስብእና ዘለዎ ኣካል ናይ ኣምላኽ ምዃኑ ኣብዞም ዝስዕቡ ጥቅስታት እስኪ ንርኤ ፦ ዘፍ 16:11-13፣ ዘፍ 18:1-33; ዘጽ 3:2-6; መሳፍንቲ 13:3-22።
ብዝበለጸ ድማ ኣብ ብሉይ ኪዳን ንዝተፈላለዩ ኣካል ናይ ስላሴ ዘመላኽቱ ጥሙራት ቃላት ኣለዉ እዮም። እቶም ቓላት ድማ ንነፍሲወከፍ ኣባል ስላሴ ዝተዋህቡ ዝተፈላለዩ ስማት እዮም። ንሳቶም ድማ፦
1⃣ ቓል ኣምላኽ/The word of God
======================
እዚ “ቃል ኣምላኽ” ወይ ድማ “ጥበብ ኣምላኽ” ዝብል ቃል ንሓደ ናይ ገዛእ ርእሱ ፍሉይ ትስብእቲ ዘለዎ ኣካል ናይ ኣምላኽ እዩ ዘመልክት፦ መዝ 33:4; ምሳ 8:22-31።
2⃣ መንፈስ ኣምላኽ/The Spirit of God
========================
መንፈስ ኣምላኽ ዝብል እዉን ሓደ ናይ ገዛእ ርእሱ ስብእና ዘለዎ ኣካል ናይ ኣምላኽ እዩ ዘመልክት። እዚ መንፈስ ኣምላኽ ተብሂሉ ዘሎ ድማ ሓደ ኣካል ናይ ኣምላኽ ኾይኑ፥ናይ ገዛእ ርእሱ ዕዮ ወይ ግብሪ ኣለዎ እዩ፦ ዘፍ1:2; ነህ 9:20; እዮብ 33:4; ኢሰ 40:13።
3⃣ እቲ መሲሕ/The Messiah
==================
እቲ መሎኮታዊ መንነት ናይቲ መሲሕ እዉን ንሓደ ስብእና ዘለዋ መሎኮት ከምዘመልክት ኣብዞም ዝስዕቡ ጥቅስታት በሪሆም ተገሊጾም ንረኽቦም ኢና እሞ ነስተብህለሎም፦ መዝ 110:1; ኢሰ 9:6; ኤር 23:5-6።
ስለዚ እዞም “ቃል” “መንፈስ” ከምኡዉን “ጎይታ” ዝብሉ ቓላት ነንሓድሕዶም ዝለዋወጥ ኣበሃህላታት/ ኣገላልጻታት (Interchangeable expressions) ኾይኖም፥ንእግዚኣብሄር እዮም ዘመልክቱ፦ መዝ 33:6; ኢሰ 48:16; 61:1።
ንስላሴ ዘመልክቱ ክፍሊ ጽሑፋት ሓዲሽ ኪዳን
=============================
ኣብ ማቴ 28:19 ሓድነት ናይቶም ስለስተ ኣካላት “ስም” ብእትብል ንጽልቲ ስም ተንጸባሪቁ ወይ ተሓቚፉ ንረኽቦ። እዛ “ስም” እትብል ድማ ከምታ ኤካድ እትብል ቃል፥ ንጥምረት ሓድነት እቶም ዝጥቐሱ ዘለዉ 3ተ ኣካላት ኣምላኽ እምበር ንሓደ ኣካል ጥራይ ዝኾነ ኣምላኽ ኣይተመላኽትን እያ። ልክዕ ከምቲ ናይ ማቴ 28፥19 ኣብዞም ዝስዕቡ ጥቅስታት እዉን ከምኡ ዝበለ ኣገላልጻ ንረክብ ኢና። እዚ ማለት እቲ ፍጹም ጥምረትን ሓድነትን ናይቶም ስለስተ ኣካላት ኣምላኽ፥ ብሓደ “ስም” ዝብል ጥሙር መጸዉዒ ቃል ይንጸባረቕ ኣሎ። ብዝበለጸ ኣብዞም ዝስዕቡ ጥቅስታትዉን ተወከስ፦ 2ቆረ13:14; ኤፌ 4:4-6; ራእይ 1:4-5።
እቲ ፍጹም ጥምረትን ሓድነን ናይቶም ሰለስተ ኣካላት
================================
▶ እቲ ወዲ ምስ ኣቦ ብምልኣት ፈጺሙ ዝሓበረ እዩ፦ የሃ 10:30 ከምኡዉን ኣብ ማር 9:37 ሉቃ 9:48; ሉቃ 10:16; የሃ 10:38; 12:44-45; 13:20; 14:7,9-11; 15:23 ንረኽቦ ኢና።
▶ እቲ መንፈስ እዉን ምስ ኣምላኽ ብሓደ (identified) ውህደትተገሊጹ ንረክቦ ፦ 2ሳሙ 23:2-3 ከምኡዉን ኣብ መዝ 51:11; ማቴ 28:19; 1ቆረ 3:16 ተወከስ።
ብኻልእ ሸነኽ ድማ፣ እቶም ሰለስተ ኣካላት ነንሓድሕዶም ዝተፈላለዩ(distinct) ሙዃኖም ክንፈልጥ ይግባእ። እዚ ማለት እግዚኣብሄር ኣቦ፣ እግዚኣብሄር ወልድ ኣይኮነን። እግዚኣብሄር ወልድ ድማ እግዚኣብሄር መንፈስ ቅዱስ ኣይኮነን። እግዚኣብሄር ኣቦ ድማ እግዚኣብሄር መንፈስ ቅዱስ ኣይኮነን ንምባል እዩ። እዚ እንርእዮ ዘሎና ትኹል ሓቂ ብዝበለጸ ኣብዞም ዝስዕቡ ሓሳባት ንድለዮ፦
▶ የሱስ ንኣቦ ብቐጥታ ይዛረቦ ወይ ይጠቅሶ፦ ማቴ 11:25-26 ፣ ሉቃ 10:21; ማቴ 26:39 ማር 14:36/ሉቃ 22:42; ማቴ 26:42; 27:4/ ማር 15:34; ሉቃ 23:46; የሃ 11:41-42።
▶ ኣቦ እዉን ንወዲ ካብ ሰማይ ይዛረቦ ወይ ድማ ብዛዕባ ወዲ ካብ ሰማይ ይዛረብ፦ማቴ 3:17/ ማር 1:11/ ሉቃ 3:22; ማቴ 17:5 ማር 9:7 ሉቃ 9:35; የሃ12:27-28።
▶ እቲ መንፈስ እዉን ኣብ ክንዲ ኣመንቲ ኾይኑ ምስ ኣቦ ይዘራረብ፦ ሮሜ 8:26-27።
▶ እዞም ሰለስት ስብእና ናይ ኣምላኽ፥ብኣካልነት ዝተፈላለዩ ሙኻኖም ድማ ብተወሳኺ ኣብዞም ዝስዕቡ ዓዉደ ንባባት ተወኪስና ክንረኽቦም ንኽእል ኢና፦ ማቴ 12:32; 24:36; የሃ 7:39; 16:7; 1ጢሞ 2:5; 1የሃ 2:1።
ኣብ መንጎ ኣቦን ወድን ዘሎ ርክብ/ዝምድና
===========================
▶ የሱስ ክርስቶስ ፍሉይን እንኮ መሎኮታዊ ዉሉድ ኣምላኽ እዩ፦የሃ 1:14። “ሓደን በይኑን/One and Only” ዝብል ናይ ግሪኽ ቃል “ንበይኑ” “ብፍሉይ” ከምኡዉን “ልክዕ ንሱ በይኑ ከም ኣቦኡ ዝበለ ዉሉድ/“the only one of its kind” ምባል የመልክት። ስለዚ ኩላትና እካ ዉሉድ ኣምላኽ እንተኾንና፥ ናይ የሱስ ክርስቶስ ዉልድነት ግና “ሓደን በይኑን” ማለት ብኹሉ ልክዕ ከም ኣቦኡ ዝኾነ ዉሉድ እዩ። እዚ ሓሳብ ኣብዞም ዝስዕቡ ጥቅስታት ሰፊሩ ኣሎ፦ የሃ 1:18; 3:16,18; ግብ 13:33; እብ 1:5; ምሳ 2:7; 1የሃ 4:9።
▶ ኣብ መንጎ ኣቦን ወድን ዘሎ ርክብ ኣዝዩ ፍሉይ ርክብ እዩ፦ ማቴ 11:27/ሉቃ 10:22። ኣብዞም ዝስዕቡ እዉን ተወከስ፦ የሃ 6:46; 7:28-29; 8:55; 10:15; 17:25።
▶ ኣቦ ንወዱ ብጣዕሚ እዩ ዘፍቅሮ፦ የሃ 3:35 ፥የሃ 5:20; 10:17; 15:9; 17:24 ርኤ።
▶ ኣቦ ነቲ መሎኮታዊ ህይወቱ ምስ ወዱ ዝተኻፈሎ እዩ/the Father shares his divine life with the Son ቆሎ 2:9፥ የሃ 5:26; 6:57; ቆሎ 1:19።
▶ ኣቦ ናብ ወዱ ዘመሓላለፎ ስልጣን ኣሎ/ the Father delegates his authority to the Son:- የሃ 5:27, ማቴ 28:18; የሃ 3:35; 5:21-22; 16:15; ራእይ 2:26-27።
▶ ኣቦ ኣብ ወዲ ይነብር፥ ወዲ እዉን ኣብ ኣቦ ይነብር/ Father and Son indwell each other የሃ 14:10-11፥ የሃ 10:38; 14:20; 17:21-23።
ኣብ መንጎ መንፈስ ቅዱስን እቶም 2ተ ኣካላት ኣምላኽን ዘሎ ርክብ
======================
መንፈስ ቅዱስ እዉን ከም ሓደ ስብእና ኣምላኽ፥ ምስ ኣቦን ወድን ዘለዎ ፍሉይ ሓድነትን ጥምረትን ንምግላጽ፥ ብኽልቲኡ ማለት ብ”መንፈስ ኣምላኽ” ን ”ብመንፈስ ክርስቶስ” ን ተብሂሉ ክስመ ወይ ክጽዋዕ ንርእይ፦ ሮሜ 8:9። ብዝበለጸ ድማ፦
መንፈስ_ኣምላኽ” ብዝብል መጸዉዒ ኣብ መዝ 106:33; 1ቆረ 2:14; ፊሊጲ 3:3; 1የሃ 4:2 ኣሎ። እዚ ድማ መንፈስ ቅዱስ ምስ ኣቦ ዘለዎ ፍሉይ ርክብ ዘመልክት እዩ፦ማቴ 10:20፥1ቆረ 2:10-11።
መንፈስ_ክርስቶስ” ብዝብል መጸዉዒ ድማ ኣብ ግብ 16:7; ገላ 4:6; ፊሊጲ 1:19; 1ጴጥ 1:11 ኣሎ። እዚ ድማ መንፈስ ቅዱስ ምስ ወዲ ፍሉይ ርክብ ከምዘለዎ ዘመላኽት እዩ፦ የሃ 1:33፥ኢሰ 61:1; የሃ 14:16-17,26; ግብ 10:38።
መዓርነት/equality/ እቶም ስለስተ ኣካላት
===========================
ወድን መንፈስ ቅዱስን ክልቲኣቶም ምስ እግዚኣብሄር ኣቦብዘልኣለማዊነት፥ ብባህርይ፥ ከምኡዉን ብህልዉና መዓረ እዮም። ኣብ መንጎ ስላሴ፥ ዘይበላለጽ መዓርነት እንዳሃለዎም ክነሱ፥ ኣቦ ከም ርእሲ ኾይኑ፥ ወድን መንፈስ ቅዱስን ድማ ብሓድነት ናይ ኣቦ ፍቓድ ብምግባር ፣ ኣቦ ከምዝኸብርን ከምዝፍለጥን ይገብሩ። መንፈስ ቅዱስ እዉን መሊሱ ወዲ ከምዝኸብርን ከምዝፍለጥን ይገብር።
እዚ ኣብ መንጎኦም ዘሎ ፍጹም ጥምረትን ሓድነትን እምበር ምብልላጽ ከምዘለዎም ኣየርእይን እዩ። ኣቦ ኸቢሩ ማለት ወድን መንፈስ ቅዱስን ኸቢሮም ማለት እዩ። ወዲ ኸቢሩ ማለት ኣቦን መንፈስ ቅዱስን ኸቢሮም ማለት እዩ። መንፈስ ቅዱስ ኸቢሩ ማለት ድማ ኣቦን ወድን ኸቢሮም ማለት እዩ።
▶ ወዲ ምስ ኣቦ ብኹሉ መዓረ እዩ፦ የሃ 5:18 ፥የሃ 5:23; 8:16; 14:9; 17:10; ፊሊጲ 2:6; ቆሎ 2:9። ከም ኣብ በዓል ሮሜ 1:7 ናይ ኣቦን ወድን ማዕርነት ዝገልጹ ናይ መኽፈት እቶም ብሃዋርያት ዝተጻሕፉ ደብዳቤታት ይሕብሩና እዮም። ብተወሳኺ እዉን ኣብዞም ዝስዕቡ ናይ ሓድሽ ኪዳን ደብዳቤታት ንርኤይ፦ 1ቆረ 1:3; ገላ 1:3; ኤፌ 1:2; 1ተሰ 1:1; 1ጢሞ 1:2; ፊልሞን 3; 2ጴጥ 1:2፥ ራእይ 5:13፥ ሮሜ 9:5; እብ 13:21; 2ጵጥ 3:18; ራእይ 7:10።
▶ መንፈስ ቅዱስ ምስ ኣቦን ወድን መዓረ እዩ፦2ቆረ 13:14፥ማቴ 28:19; 1ጴጥ 1:2; ራእይ 1:4-5
ምእዛዝን ምክብባር ኣብ መንጎ ስላሴ
=======================
▶ እቲ ወዲ ኣብ ስጋ ዝለበሰሉ ጊዜ ንኣቦ ዘለዎ ፍጹም ምእዛዝ ብፍሉይ መልክዑ ኣርእዩና ኣሎ። ነዚ ትኹል ሓቂ ኣብዞም ዝስዕቡ ጥቅስታት ንርኣዮም፦ፊሊጲ2: 6-7፥ ማቴ 24:36; የሃ 4:34; 6:38; 14:28,31; ሮሜ 5:19; እብ 5:8; 10:5-7; መዝ 40:6-8።
▶ እቲ ኣቦ ናይ ወዲ ርእሲ “head” እዩ፦ 1ቆረ 11:3፥1ቆረ 3:23; 8:6; 15:27-28
▶ ኣብ መንጎ እቶም ስለስተ ኣካላት ዘሎ ምግዝዛእ ነቲ ነንሓድሕዶም ዘለዎም ምክብባር ዘርእይ ወይ ዘንጸባርቕ እዩ። እቲ ወዲ ንኣቦ ፍጹም ምኽባር የኽብሮ፦ ሮሜ 16:27፥ የሃ 14:13; ኤፌ 1:5-6; 3:21; ፊሊጲ 2:11; ቆሎ 3:17; 1ጴጥ 4:11; ይሁዳ 25።
▶ እቲ ኣቦን ወድን ብመዓረ ነንሓድሕዶም ይከባበሩ እዮም፦ የሃ 17:1፥ የሃ 8:54; 13:31-32; 17:4-5,24; ግብ 3:13።
▶ እቲ መንፈስ ቅዱስ እዉን ንኣቦን ወድን የኽብሮም ፦የሃ 16:13-15፥ የሃ 14:26; 15:26; ኤፌ 1:13-14።
ተልእኾ/ዕዮ ናይ ስላሴ ኣብ ምድሓን ሰብ
==========================
ኩላቶም እቶም ስላሴ ኣብቲ ዓብይ መደብ ምድሓን ሰብ ብመዓረ መተዓይይቲ እዮም። ሰብ ምእንቲ ክድሕን፥ኣቦ ንወዲ ናብ ምድሪ ይልእኾ። መንፈስ ቅዱስ ኣብ ዉሽጢ እቶም ዝድሓኑ ክነብርን ንምስፋሕ መንግስቲ ኣምላኽ ምእንቲ ክዓዩን ድማ ወዲ ንመንፈስ ቅዱስ ናብቶም ዝድሓኑ ደቁ ይልእኾ። እዚ ነቲ ኣብ መንጎ ስላሴ ዘሎ ኣዝዩ መሳጢ ዝኾነ ሓቢርካ ናይ ምዕያይ ዝምድና ወይ መልክዕ የርእይ።.
▶ እቲ ወድን መንፈስ ቅዱስን ኣብ ምድሪ ንዕዮ ኣቦ ሓቢሮም የተግብሩ።
▶ ኣብ ብሉይ ኪዳን፥ ኣቦ በይኑ ከም መድሓኒ ይግለጽ፦ኢሰ 43:11፥ መዝ 19:14; 78:35; ኢሰ 43:3; 49:26; 60:16; ኤር 14:8; ሆሴእ 13:4።
▶ ኣብ ሓድሽ ኪዳን፥ ወዲ ከም መድሓኒ ይግለጽ እዩ፦ማቴ 1:21፥ሉቃ 2:11; የሃ 4:42; ገላ 3:13; 4:5; ቲቶ 2:13; 3
▶ ኣብ ብሉይ ኪዳን፥ ኣምላኽ ኣብ ማእከል ህዝቡ ይሰፍር ወይ ይነብር፦ ዘጽ 29:45፥መዝ 135:21; ኢሰ 57:15; እዝራ 43:7; ዩኤል 3:17; ዘካርያስ 2:10-11
▶ ኣብ ሓዲሽ ኪዳን ድማ መንፈስ ቅዱስ ኣብ ቅዱሳን ይነብር፦1ቆረ 3:16፥የሃ 14:17; ሮሜ 8:9,11; 2ጢሞ 1:14
▶ ኣቦ ንወዲ ይልእኾ ወይ ይሰዶ፦ገላ 4:4፣ ማቴ 10:40; ማር 12:6; የሃ 3:16-17; 7:28; 8:42; 1የሃ 4:9
▶ እቲ ወዲ ኣብ ተልእኾኡ ንኣቦ ይገልጾ እዩ፦ የሃ 8:38፥ የሃ 1:18; 15:15; 17:6,26; ቆሎ 1:15; እብ 1:3።
▶ እቲ ወዲ ናይ ኣቦ ዕዮ ይሰርሕ ወይ ይፍጽም፦ የሃ 5:19 ፥ የሃ 4:34; 5:17; 9:3-4; 10:37; 14:10።
▶ እቲ ወዲ ናይ ኣቦ ቃላት ይዛረብ፦ የሃ 12:49-50፣ የሃ 3:34; 8:28; 14:24; 17:8።
▶ እቲ ኣቦ ብዛዕባ ወዲ ይምስክር፦እዚ ምስክርነት እቲ ኣምላኽ ብዛዕባ ወዲ ካብ ብሉይ ኪዳን ጀሚሩ ዝመስከሮ ምስክር የመልክት፦የሃ 5:37፥ የሃ 5:32; 8:18; 1የሃ 5:9
ምልኣኽ/ምስዳድ መንፈስ ቅዱስ
=====================
▶ ኣቦ መንፈስ ቅዱስ ይህብ፦ ሉቃ 11:13፥ ግብ 5:32; 2ቆረ 5:5; ገላ 3:5; ኤፌ 1:17; 1የሃ 4:13።
▶ ወዲ መንፈስ ቅዱስ ይህብ ፦ የሃ 16:7፥ ማቴ 3:11 pp ማር 1:8፥ ሉቃ 3:16; የሃ 1:33; 20:22።
▶ ኣቦ ንመንፈስ ቅዱስ ብወዲ ኣቢሉ ይሰዶ ወይ ይልእኾ፦ የሃ 14:16-17። እዚ ንመንፈስ ቅዱስ መን ይልእኾ ዝብል ሓሳብ፥ ነቲ ኣብ መንጎ እቲ ስልሱነቶም ዘሎ ሓቢርካ ናይ ምዕያይ ሓድነት እዮ ዘርእይ ወይ ዘንጸባርቕ። ብዝብለጸ ኣብዞም ተወሰኽቲ ጥቅስታት ተወከስ፦ የሃ 14:26; 15:26; ግብ 2:33።
ስላሴ ኣብ ዕዮ ምድሓን ብሓባር ይዓዩ
=========================
እቶም ሰለስተ ትስብእቲ ኣምላኽ ከምቲ ኣብ ፍጥረት ከምኡዉን ኣብ ምድሓን ብሓባር ይዋስኡ። ን ኣብነት ኣብዞም ዝስዕቡ ምስ ምድሓን ዝተሓሓዙ ፍጻሜታት ንርኣዮም፦
▶ ኣብ ስጋ ምልባስ ናይ ክርስቶስ The incarnation ሉቃ 1:35።
▶ ኣብ ማይ ጥምቐት ናይ የሱስ ፦ ማቴ 3:16-17፥ማር 1:10-11 ሉቃ 3:21-22።
▶ ኣብ ናይ ወዲ ኣገልግሎት፦ ማቴ 10:38፥ ሉቃ 10:21; የሃ 3:34 ተመልከት።
▶ ኣብ ዕዮ ተሻይጥካ ምዕዳግ ወይ ምድሓን፦ 1ጴጥ 1:2፥ 2ቆረ 1:21-22; ገላ 4:4-6; ኤፌ 1:3-14; 2:18; 2ቆረ 2:13-14; ቲቶስ 3:4-6 ተወከስ።
▶ ኣብ ንደቀ መዛሙርቱ ናብ ዓብይ ተልእኾ ምልኣኽ፦ የሃ 20:21-22 ከምኡዉን ግብ 1:7-8።
▶ ኣብ ንወዲ ልዕል ኣቢልካ ምኽባር ፦ ግብ 7:55፥ ግብ 5:31-32።
▶ ኣብ ምብሳር ወንጌል፦ ግብ 2:38-39።
ኣብ ምህናጽ ማሕበር፦ ኤፌ 2:22 ከምኡዉን 1ቆረ 12:4-6።
መደምደምታ
========
1⃣ ስረተ እምነት ስላሴ ብቅዱስ ጽሑፋት መሰረት ዝተረጋገጸ እዩ፦ ማቴ 3:16, 17; 28:19; ሮሜ 8:9; 1 ቆረ 12:3–6; 2 ቆረ 13:14; ኤፌ 4:4–6; 1 ጴጥ 1:2; ይሁዳ 1:20, 21; ራእይ 1:4, 5።
2⃣ ነብሲወከፍ ስብእና ናይ ስላሴ፥ “ኣምላኽ” ተብሂሉ ዝጽዉዓሉ መሎኮታዊ መጸዉዒ ስም ኣለዎ፦ ዘጽ 20:2; የሃ 20:28; ግብ 5:3~4።
3⃣ ነፍስወከፍ ኣካል ስላሴ በዞም ዝስዕቡ ቃላት ተገሊጹ ኣሎ:–
➡ ዘለኣለማዊ፦ ሮሜ 16:26; ራእይ 22:13; እብ 9:14።
➡ቅዱስ፦ ራእ 4:8; 15:4; ግብ 3:14; 1 የሃ 2:20።
➡ሓቂ፦ የሃ 7:28; ራእይ 3:7።
➡ ኣብ ኩሉ ዝርከብ፦ ኤር 23:24; ኤፌ 1:23; መዝ 139:7።
➡ ኩሉ ዝኽእል፦ ዘፍ 17:1; ራእ 1:8; ሮሜ 15:19; ኤር 32:17; እብ 1:3; ሉቃ 1:35።
➡ ኩሉ ዝፈልጥ፦ ግብ 15:18; የሃ 21:17; 1 ቆረ 2:10, 11።
➡ ፈጣሪ፦ ዘፍ 1:1; ቆሎ 1:16; እዮብ 33:4; መዝ 148:5; የሃ 1:3; እዮብ 26:13።
➡ ቐዳሲ፦ ይሁዳ 1:1; እብ 2:11; 1 ጴጥ 1:2።
➡ ዝገብር፦ እብ 13:21; ቆሎ 1:29; 1 ቆረ 12:11።
➡ ምንጪ ዘለኣለም ህይወት፦ ሮሜ 6:23; የሃ 10:28; ገላ 6:8።
➡ መምህር፦ ኢሰ 54:13; ሉቃ 21:15; የሃ 14:26; ኢሰ 48:17; ገላ 1:12; 1 የሃ 2:20።
➡ ንክርስቶስ ካብ ሞት ዘተንሰኦ፦ 1 ቆረ 6:14; የሃ 2:19; 1 ጴጥ 3:18።
➡ ዝዛረብ፦ እብ 1:1; 2 ቆረ 13:3; ማር 13:11።
➡ ንማሕበር ኣገልገልቲ ዝህብ፦ኤር 3:15; ኤፌ 4:11; ግብ 20:28; ኤር 26:5; ማቴ 10:5; ግብ 13:2።
4⃣ ምድሓን ሰብ ዕዮ ስላሴ እዩ፦ 2 ተሰ 2:13, 14; ቲቶስ 3:4–6; 1 ጴጥ 1:2።
5⃣ ጥምቐት ማይ እዉን ብስም ስላሴ እዩ ዝግበር፦ ማቴ 28:19።
6⃣ መዕጸዊ መንፈሳዊ ደብዳቤ ሓድሽ ኪዳን እዉን ብስም ስላሴ ተገርዩ ኣሎ፦2 ቆረ 13:14።
መዛዘሚ
=====
? 2ይ ቆረንቶስ 13፣14
ጸጋ ጐይታና የሱስ ክርስቶስን ፍቕሪ ኣምላኽን ሕብረት መንፈስ ቅዱስን ምስ ኵላትኩም ይኹን። ኣሜን።
ካብ ብልቡ ዘፍቕረኩም ሓዉኹም
ሮቤል ነጸረኣብ